ኤርትራ፣ ብእምነቶም ተኣሲሮም ዝጸንሑ ልዕሊ 60 ሰባት ተፈቲሖም

Radio Erena: 08 February 2021

ኣብ ኤርትራ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ልዕሊ 60ኣመንቲ ክርስትና ጴንጠቆስጣል ካብ ማእሰርቲ ከምዝተፈትሑ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ኣረጋጊጾም።

እቶም ዝበዝሑ ደቂተባዕትዮ ዝርከብኦም ኣመንቲ ጴንጠቆስጣል፣ ገሊኦም ልዕሊ 14 ዓመታት ዝተኣስሩ’ዮም።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ብእምነቶም ካብ ዝኣሰሮም ኣሽሓት ሰባት፣ ንገሊኦም በብእዋኑ ብዋሕስ ክፈትሕ እኳ እንተጸንሐ፣ ገና ኣማኢት ኣብ ማእሰርቲ ከምዘለው’ውን ይፍለጥ።

ኣብ ኤርትራ፣ ካብ ጽባሕ ናጽነት ኣትሒዙ፣ ኣሽሓት ኣመንቲ ምስልምና፣ መሰኻኽር ጂሆቫ፣ ጴንጠቆስጣል ክርስትና፣ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያንን ካልኦት ሃይማኖታትን ተኣሲሮም’ዮም።

ኤርትራ፣ ከም ናጽነት እምነት ዝኣመሰለ መሰረታዊ መሰላት ደቂ ሰብ ካብ ዘይክበረለን ሃገራት ምስ ቀዳሞት’ያ ትስራዕ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0