ኤርትራ፣ ብሰንኪ ህድማ ተጻወቲ ካብ ግጥማት ሴካፋ ተገሊላ

ኤርትራ፣ ብሰንኪ ህድማ ተጻወቲ ካብ ግጥማት ሴካፋ ተገሊላ

Radio Erena: 06 November 2015

natteam

ኤርትራ፣ ብሰንኪ ህድማ ተጻወቲ ካብ ግጥማት ሴካፋ ከምዝተገለለት ይግለጽ ኣሎ።

ኣብቲ 22 ሕዳር 2015 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ግጥማት ሃገራት ምብራቕን ማእከላይን ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ብዘይካ ኤርትራ ኩሉን ሃገራት ክሳተፋ ምዃነን ከምዘረጋገጻ ንዋና ጸሓፊ እቲ ዞባዊ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኒኮላስ ሙሶንየ ብምጥቃስ መደበር ዜና ኬንያ ገሊጻ።

ኤርትራ ኣብዚ ዞባዊ ግጥም ከይትሳተፍ ዝተገለለትሉ ምኽንያት ድሕሪ’ቲ ኣብ 2013 ኣብ ኬንያ ዘጋጠመ ህድማ ተጻወቲ ኤርትራ ምዃኑ እቲ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።

 

ይኹን’ምበር ኤርትራ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ግጥማት ሴካፋ ዘይትሳተፈሉ ምኽንያት፣ ኣብ ርእስቲ’ቲ ዘጋጥማ ዘሎ ተደጋጋሚ ህድማ ተጻወቲ፣ እቲ ግጥም ኣብ ኢትዮጵያ ይካየድ ስለዘሎ ምዃኑ’ውን ጋዜጠኛታት ስፖርት የረድኡ።

ኤርትራ ስለምንታትይ ካብ ግጥማት ሴካፋ ተገሊላ፣ ዋና ጸሓፊ ማሕበር’ውን እንተኾነ ከረጋግጽ ከምዘይክኣለ መደበር ዜና ኬንያ ትጠቕስ።

ብወገን ኤርትራ’ውን ብዛዕባ’ዚ ዝምልከት ዝኮነ መብርሂ ኣይተዋህቦን።

ኤርትራ ድሕሪ’ቲ ናይ 2013 ህድማ ተጻወቲ፣ ካብ ዞባውን ኣህጉራውያን ግጥማት ተገሊላ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ቅድመ መጻረዩ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ንምክያድ ናብ ቦትስዋና ካብ ዘምርሑ ተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ እቶም 10 ዑቕባ ንምሕታት ኣብታ ሃገር ምትራፎም’ውን ኣብ መዳይ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ተወሳኺ ጸሊም ነጥቢ ኮይኑ ተምዝጊቡ ኣሎ።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0