ኤርትራ፣ በዓል መዚ ኤሌክትሪክ፣ ወርሓዊ ክፍሊት ኣገልግሎታት ንምእካብ ተጸጊሙ ከምዘሎ ተሓቢሩ

ኤርትራ፣ በዓል መዚ ኤሌክትሪክ፣ ወርሓዊ ክፍሊት ኣገልግሎታት ንምእካብ ተጸጊሙ ከምዘሎ ተሓቢሩ

Radio Erena: 09 May 2018

ELPA Asmara

በዓል መዚ ኤሌክትሪክ ኤርትራ፣ ወርሓዊ ክፍሊት ኣገልግሎታት ንምእካብ ኣብ ከቢድ ጸገም ከምዝርከብ ምንጭታት ሓቢሮም።

እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት፣ እቲ በዓል መዚ፣ ወርሓዊ ክፍሊት ብግዜኡ ክእክብ ብዘይምኻሉ፣ ንህዝቢእ ኣብ ከቢድ ዕዳን ሻቕሎትን ሸሚሙ ከምዘሎ ኣገንዚቦም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን እቲ በዓል መዚ፣ ንኣስታት ሓደ ዓመት ዝኸውን ክፍሊት ከኣይከበ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ንዝህቢ ብውህሉል ግምብታዊ ዕዳ ከምዝደብደቦ ይዝክር።

ህዝቢ በቲ ዝተሰልዓሉ ግምታዊ ዕዳ መረረ ድሕሪ ምስምዑ፣ እቲ በዓል መዚ፣ ዝሃለኸ ዓቐን ኤሌክትሪክ ዝምዝግበሉን ወርሓዊ ክፍሊት ዝእክበሉን ዓቕሚ ከምዝሓጸሮ ብውግዒ ብምግላጽ፣ ነቲ ጸገም ንምስትኽኻል ይሰርሕ ከምዘሎ ጠቒሱ ኔሩ።

እንተኾነ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ’ውን እቲ መንግስታዊ ትካል፣ ዝሃለኸ ዓቐን ኤሌክትሪክ ብምምዝጋብ ወርሓዊ ክፍሊት ንምእካብ ከምዘይክኣለ ይግለጽ።

ብተኸታታሊ ንሰሙናት ዘጋጥም ዝነበረ ምጥፋእ ኤሌክትሪሲቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ብመጠኑ ተመሓይሹ ከምዘሎ ይፍለጥ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0