ኤርትራ፣ ስድራቤታት ተወሳኺ ኣሽሓት ናቕፋ ክፍሊት ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ይሕተታ

Radio Erena: 23 April 2021

ኣብ ኤርትራ፣ ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ኩሉ ንጥፈታት ተዓጽዩ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ስድራቤታት ተወሳኺ ኣሽሓት ናቕፋ ውህሉል ክፍሊት ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ይሕተታ ምህላወን ተሓቢሩ።

ካብ 3 ሽሕ ክሳብ 10 ሽሕ ናቕፋ ውህሉል ክፍሊት ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ዝተሓተታ ስድራቤታት ኣለዋ።

ብፍላይ ገሊኤን ስድራቤታት፣ ምስ ኮረና ቫይረስ ተተሓሒዙ ኣብ ከቢድ ናይ መነባብሮ ጸገም ወዲቐን ዝርከባ ክነሰን፣ እዚ ሃንደበት ተሓቲተንኦ ዘለዋ ውህሉል ዕዳ፣ ተወሳኺ ጭንቐት ፈጢሩለን ከምዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ወርሓዊ ካብ 600 ክሳብ 1200 ናቕፍ ዝኽፈሉ፣ ኣብ ሰራዊት ዝርከቡ ኣለይቲ ስድራ ዝኾኑ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ በዚ ተሓቲቶሞ ዘለዉ ውህሉል ዕዳ ኤሌክትሪክ የማርሩን ገሊኦ’ውን ጥርዓን የቕርቡን ከምዘለዉ ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምጭታት ኤረና ጠቒሶም።

ቅድሚ ኮረና ቫይረስ ኣብ ዝነበረ እዋን’ውን፣ ‘ቆጸርቲ ኣይረኸብናን’ ብዝብል ምስምስ በዓል መዚ ኤሌክትሪ ኤርትራ፣ ንህዝቢ ዘየህለኾ ኣሽሓት ውህሉል ዕዳ ክኸፍል ከገድድ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ኤርትራ፣ ኣገልግሎት ኤሌክትሪ፣ ኣብቲ ዝተሓተ ደረጃ ዝርከብ ክነሱ፣ ህዝቢ ግና ምስ ዝረኽቦ ዘሎ ድሩት ኣገልግሎት ዘይመጣጠን ብዝሒ ገንዘብ’ዩ ክኸፍል ዝሕተት።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ስድራቤታት ክኸፍልኦ ንዝሕተታ ዘለዋ ውህሉል ዕዳ ናይ ዘየህለኽኦ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ጥርዓን ኣብ ዘቕርባሉ ዘለዋ፣ ‘ኣብ ወጻኢ ዘመድ የብልካን’ ድዩ? ደይ ሒደት ዶላር ‘የን’ ዝብል ባጫ ዝተሓወሶ ኣሽካዕላሊ መልሲ ይወሃቦም ከምዘሎ ናይ ገለ ስፍራቤታት ተመክሮ ከም ኣብነት ብምጥቃስ ካልእ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣገንዚቡ።

ኣብዚ 30 ዓመታት ስልጣኑ፣ ንህዝቢ እኹል ቀረበን ኣገልግሎታትን ከባጽሕ ዘይክኣለ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣፍራዩ ንዝብሃል ጉልበት፣ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት እናባኸኖን ናብ ኵናት እናኽተቶን፣ ማሕበራዊ ድሕነተን ክሕልወለን ንዘይክኣለ ስድራቤታት፣ ኣብ ወጻኢ ብዝርከቡ ቤተሰበን፣ ኣዝማድን መቕረበን ክእለያ ዝጽበ ተበላጺን መዝማዚን ፖሊስ ከምዝኽተል እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣቃሊዑ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 2
  • comment-avatar
    Angeb 3 years ago

    ንምግናን ደሊኹም እምበር እቲ ሓቂ ኣብ ቆጻር ዘሎ ንባብ ምርኣይ እዩ

    • comment-avatar
      Asmarino menisei 3 years ago

      ኣብ ቆጻሪ ዘሎ ንባብ እኮ በቲ መጠኑ ዝሓለፈ ታሪፍ ምስ ተራበሐ እዩ ኣብ ማንም ዓለም ዘየለ ክፍሊት ዝሕተት፡ ስለዚ ኣስተውዕል ኣቢልካ ተዛረብ።