‘ኤርትራ፣ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይቕጽል ኣሎ።’ ፍሉይ ራፖርተር

Radio Erena: 10 June 2022

ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝፍጸም ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ምስታፍ ይቕጽሎ ከምዘሎ፣ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ክከታተል ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ፍሉይ ኣካል ወይ ራፖርተር ወቒሱ።

እቲ ፍሉይ ኣካል፣ ካብ 29 ሚይዝያ 2021 ክሳብ 22 ሚያዝያ 2022 ኣብ ዝነበረ ሓደ ዓመት፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተራእየ፣ ዝጭበጥ ገስጋስ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘይነበረ ብምትሕስሳብ፣ ብኣንጻሩ ዝበኣሱ ተርእዮታት ምምዝጋቡ ጠቒሱ።

ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ምስታፉ ክቕጽል እንከሎ፣ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ምስታፋ፣ ነቶም ቅድሚ ሕጂ ክቐርቡ ዝጸንሑ ጥርዓናት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ’ውን ዘጋድድ ‘ዩ ክብል እቲ ጸብጻብ ኣስሚርሉ።

እቲ ብሱዳናዊ በዓል ሞያ ሕጊ፣ ዶ/ር መሓመድ ዓብዱሰላም ባቢከር ዝምራሕ፣ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ክከታተል፣ ብሕቡራት ሃገራት ዝቖመ ኣካል፣ ምሉእ ጸብጻቡ፣ ኣብ 13 ሰነ ኣብ ዝካየድ፣ መበል 50 ስሩዕ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ከቕርብ’ዩ።

እቲ ጸብጻብ፣ ህሉው ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፣ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኩነታት ስደተኛታት ኤርትራ ኣብ ትግራይን ዝብሉ ኣርእስታት ዘካተተ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0