ኤርትራ፣ መጠነ ሞት ኣዴታት ኣብ እዋን ጥንስን ሕርስን ብ75 ሚእታዊት ካብ ዘጉደላ 11 ሃገራት ምዃና ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ

ኤርትራ፣ መጠነ ሞት ኣዴታት ኣብ እዋን ጥንስን ሕርስን ብ75 ሚእታዊት ካብ ዘጉደላ 11 ሃገራት ምዃና ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ

Radio Erena: May 9, 2014

WHO

ኤርትራ እትርከበን 11 ሃገራት ኣፍሪቃን ኤስያን መጠነ ሞት ኣዴታት ኣብ እዋን ሕርስን ጥንስን ብ75 ሚእታዊት ከምዘጉደልኦ ውድብ ጥዕና ዓለም ብሰሉስ 6 ግንቦት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ካብ ኣፍሪቃ ኤርትራ፣ርዋንዳን ኢኳተርያል ጊኒን ጥራይ ዝርከብአ እዘን 11 ሃገራት፣ ካብ 1990 ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ንመጠነ ሞት ኣዴታት ኣብ እዋን ሕርስን ጥንስን ብ75 ሚእታዊት ከምዝጉደልኦ ዝሓበረ እቲ ውድብ፣ እዚ ድማ ቅድሚ’ቲ ሸቶታት ሚልዮን ንምዕዋት ዝተሰርዓሉ ዓመተ 2015 ምዃኑ ኣገንዚቡ።

መጠነ ሞት ኣዴታት ኣብ እዋን ጥንስን ሕርስን ብደረጃ ዓለም ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ብ45 ሚእታዊት ክጎድል እንከሎ፣ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣብ ዝርከባ ሃገራት፣ ሞት ኣዴታት ኣብ እዋን ጥንስን ሕርስን ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ግኑን ተርእዮ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ።

 

ኣብተን ብዝሒ መጠን ሞት ኣዴታት ዝርኣየለን ከም ቻድ ዝኣመሰላ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ጥንስን ሕርስን ካብ ዝርከባ 15 ኣዴታት እንተወሓደ ሓንቲ ኣደ ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘንጸላልዋ ዝጠቐሰ ውድብ ጥዕና ዓለም፣ በንጻሩ ኣብ ከም በዓል ፊንላንድ ዝኣመሰላት ሃገራት ድማ፣ ኣብ ጥንስን ሕርስን ክብ ዝርከባ 1000 ኣዴታት ናይ ሞተ ሓደጋ ዘንጸላልወን ዳርጋ ዜሮ ምዃኑ ኣምልኪቱ።

ብደረጃ ኣህጉር ኣፍሪቃ እታ ዝበዝሐ መጠን ሞት ኣዴታት ኣብ እዋን ሕርስን ጥንስን ዝርኣየላ ኮይና፣ ከም ኢትዮጵያ፣ ኬንያ፣ ናይጀርያን ደሞክራስያዊር ሪፖብሊምክ ኮንጎን ድማ መጠነ ሞት ኣዴታት ናብ ኣስታት 60 ሚእታዊት ከምዝጸጋጋዕ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ናይዚ ሰሙን እዚ ጸብጻቡ ኣስፊሩ ኣሎ።
===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0