ኤርትራ፣ መንግስቲ ኤርትራ ብዝሒ ዘለዎም እሱራት ናብ መደበር ታዕሊም የሰጋግር

Radio Erena: 26 June 2022

ስእሊ፡ ኣርካይቭ ኢንተርነት

ኣብዚ ዝሓልፈ ሳምንታት፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ብዝሒ ዘለዎም እሱራት ናብ መደበር ታዕሊም የሰጋግር ምህላዉ፣ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ብመሰረት እቶም ምንጭታት፣ ካብ ቤት ማእሰርታት ዓላን ዓዲ ኣበይቶን ጥራይ ልዕሊ 500 እሱራት ናብ መደበር ታዕሊም ከምዝሰጋገሩ ተገይሩ ኣሎ።

እቶም ንነዊሕ ዓመታት ተኣሲሮም ከምዝጸንሑ ዝግለጸሎም ዜጋታት፣ ናብ መደበር ታዕሊም ኣፍዓበት ከምዝተወስዱ፣ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ብተወሳኺ ሓቢሮም።

ኣቐድም ኣቢሉ ፍሉይ ራፖርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብሰፊሑ ስለዝተዋፈረ፣ ሓደስቲ ወተሃደራት ንምዕጣቕ፣ ትሕቲ ዕድመ እውን ከይተረፉ ናብ መደበራት ታዕሊም ይወስድ ምህላዉ ገሊጹ’ዩ።

እቲ ራፖርተር ኣብ ጸብጻቡ፣ መንግስቲ ኤርትራ መንእሰያት ኣብ ውትህድርና ጅሆ መትሓዚ ክጥቀመሉ ዝጸንሐ ‘ኣይ ኲናት ኣይሰላም’ ሃዋሁ፣ መልክዑ ብምቕያር፣ ‘ናይ ወጻኢ ሓይልታት ክወሩና ይዳለዉ ኣለዉ’ ብምባል፣ ሕጂ’ውን መንእሰያት ብብዝሒ ናብ መደበራት ታዕሊም ይወስድ ኣሎ ምባሉ ይዝከር።

እዞም ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ካብ ቤት ማእሰርታት ዓላን ዓዲ ኣበይቶን ናብ መደበር ታዕሊም ኣፍዓበት ከምዝተወስዱ ዝንገረሎም ዘሎ ዜጋታት፣ ብመግረፍቲ፣ ሕማቕ ኣተሓሕዛን ዋሕዲ ሕክምናዊ ክንክንን፣ ኣካላቶም ዝማሰኑ ምዃኖም እቶም ምንጭታት ይገልጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0