ኤርትራ፣ ሓያሎ ሰራሕተኛታት መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ተኣሲሮም

Radio Erena: 22 January 2020

ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ፣ ሓይሎ ሰራሕተኛታት መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ከምዝኣሰሩ ምንጭታት ኤረና ኣረጋጊጾም።

እቶም ዝተኣስሩ ልዕሊ 20 ዝኾኑ ሰራሕተኛታት መዓርፎ ነፈርቲ፣ ምስ ዘይሕጋዊ ንግዲን ኮንትሮባንዳን ብዝተተሓሓዘ ከምዝተኣስሩ ጽንጽንታ እኳ እንተሎ፣ ምኽንያት መእሰሪኦም ክረጋገጽ ኣይከኣለን።

ማእሰርቲ እዞም ሰራሕተኛታት ዝሰዓበ፣ ካብ ዱባይ፣ ብኪሎታት ዝምዘን ንብረት እናምጽኣ ኣብ ንኣሽቱ ንግዲ ተዋፊረን ዝጸንሐ ደቂንስትዮ፣ ንጥፈታተን ደው ከብላ ድሕሪ ዝተመሓላለፈ ትእዛዝ’ዩ።

ካብ 3 ሽሕ ዶላር ዘይበዝሕን ብኪሎታት ጥራይ ዝምዘንን እቑሑ ካብ ዱባይ ብነፈርቲ እናምጽኣ ናብርአን ክመርሓ ዝጸንሐ ቁጽሪ ደቂንስትዮ እናዛየደ’ዩ ከምጽእ ጸኒሑ።

እንተኾነ ኣብዚ እዋን’ዚ ደው ኢሉ ኣሎ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ብዶባት ምስ ኢትዮጵያ ጀሚሩ ዝነበረ ንግዲ ደው ድሕሪ ምባሉ፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ተዋፊሮም ንዝበሎም ሓያሎ ሰባትን ኣማኢት ኣእዱግን ከምዝኣሰረ እቶም ምንጭታት ኣረጋጊጾም።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Hasewti 4 years ago

    Kielae kezab