ኤርትራውያን ደቂንስትዮ ኣብ እስራኤል፣ ንሸሞንተ መጋቢት፣ ኣብ ልዕሊአን ንዝወርድ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መስላት ብምዅናን ዘኪረን

ኤርትራውያን ደቂንስትዮ ኣብ እስራኤል፣ ንሸሞንተ መጋቢት፣ ኣብ ልዕሊአን ንዝወርድ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መስላት ብምዅናን ዘኪረን

Radio Erena: 12 March 2018

Israel Women

ኣብ እስራኤል ዝርከባ ኤርትራውያን ደቂንስትዮ፣ ንሸሞንተ መጋቢት፣ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ዝኾና ደቂንስትዮ ንዝፍጽሞ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝኹንን ሰለማዊ ሰልፊ ብምክያድ ዘኪረንኣ።

እቲ ብሰለስተ ኣካላት ማለት ማእከል ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፣ ማእከል ምምዕባል ኣፍሪቃውያን ስደተኛታትት (ARDC)፣ ቤት ኣኹቲ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ምንቅስቃስ ኣብ ደቡብ ተል ኣቪቭን ዝተወደበ፣ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂንስትዮ ናይ ምዝካር መደብ፣ ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ፍሉይ ዝገብሮ፣ ንዓበይቲ ጎደናታት ደቡባዊ ተል ኣቪቭ ብምዕጻው፣ መሰል ሓተቲ ዑቅባ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕ ብሓባር ንምቅላሱ ዝጽውዕ ብምዃኑ’ዩ።

ኣብቲ ሰለማዊ ሰልፊ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጻ ደቂንስትዮ ክሳተፋ እንከለዋ፣ ኣብ ንጥፈታት ግብረ ሰናይ ዝተዋፈራ ዶክተር ኣልጋነሽ ፍስሃን ሲስተር ዓዘዘትን ካብ ኢጣልያ’ውን ኣብቲ ኣጋጣሚ ተረኺበን ናይ ድጋፍ ቃል ኣስሚዐን።

ኣብቲ ብዓርቢ 9 መጋቢት ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ኣማኢት ደቂንስትዮ ተሳቲፈን።

ኣብ እስራኤል ብገምጋም ኣስታት 6 ሽሕ ኤርትራውያን ደቂንስትዮ ከምዘለዋ ይፍለጥ።

====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0