ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፣ መንግስቲ ኤርትራ ንዝፍጽሞ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝኹንን ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ኒው ዮርክ ኣካይዶም

Radio Erena: 27 October 2016

NY demo

ካብ ዝተፈላለያ ግዝኣታት ኣመሪካን ካልእ ክፍሊ ዓለምን ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ዝተኣኻኸቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፣ መንግስቲ ኤርትር ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ንዝፍጽሞ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ንምኹናንን፣ ንመርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽን ሎሚ 27 ጥቅምቲ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብቲ ብኣቆጻጽራ ግዜ ምብራቓዊ ሸነኽ ኣብ ኣመሪካ፣ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ፣ ኣብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ዝተኻየደ ሰላምዊ ሰልፊ ዝተረኽቡ ኣማኢት ኤርትራውያን፣ ማሕበረ ሰብ ዓለም፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ከቢድ ምግሃስ ዝፍጽም ዘሎ መግስቲ ኤርትራን ሰበ ስልጣናቱን ተሪር ስጉምቲ ክወስድ ጸዊዖም።

======================== 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0