ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፣ ንመርማሪት ኮሚሽን ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ ኣብ ጀኔቫ ሰለማዊ ሰልፊ የካይዱ

ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፣ ንመርማሪት ኮሚሽን ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ ኣብ ጀኔቫ ሰለማዊ ሰልፊ የካይዱ

Radio Erena: 23 June 2016

Geneve

ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ፣ ነቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ዝቐረብ ጸብጻብ ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ ሎሚ 23 ሰነ ኣብ ጄኔጃ ሰላማዊ የካይዱ።

እቶም ኤርትራውያን፣ ኣብዚ ሰዓት’ዚ ካርፕ ደ ክሮፐት ኣብ ዝተባህለ ቦታ ናይ ከተማ ጀኔቫ ብምትእኽኻብ ናብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት የምርሑ ኣለዉ።

እቶም ካብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ናብ ጄኔቫ ዝወሓዙ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ከብቅዕ፣ እሱራት ክፍትሑ፣ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ዝፈጸሙ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ዝብል ጻውዒታትን ዝተፈላለየ ጭርሖታትን ብምልዓል’ዮም ነቲ ሰልፊ ዘካይድዎ ዘለዉ። 

 

ክቡራት ተኸታተልቲ፣ ሰፊሕ ጸብጻብ ናይዚ ኣብ ጄኔቫ ዝካየድ ዘሎ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ዝበጽሓ ከነቕርብኦ ኢና።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0