ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 120 ስደተኛታት ሓደጋ ኣጋጢምዎም

ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 120 ስደተኛታት ጽዒና እትጎዓዝ ዝነበረት ዓባይ መኪና ናብ ትሪፑሉ ሊብያ እተምርሓሉ ኣብ ዝነበረት እዋን ብዘጋጠማ ናይ ምግምጣል ሓደጋ ብውሕዱ ሰስለተ ኤርትራውያንን 23 ሶማላውያንን ከምዝሞቱ ተገሊጹ።

እታ ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ሰባት እትውነን ዓባይ ናይ ጽዕነት መኪና፣ ነቶም ስደተኛታት ናብ ትሪፑሊ ኣብ ንምብጽሖም ኣብ እትጎዓዘሉ ዝነበረት እዋን፣ ካብ ናይ ሓለዋን ተፍትሽን ነቑጣታት ንምህዳም ናብ ዘይጥዑይ መንገዲ ድሕሪ ምእላያ ከምዝተገምጠለት ጸብጻብ ኣፍሪካን ረቪው ይሕብር።

ኣብ ሊብያ ዝርከብ ኣምባሳደር ሶማል፣ መብዛሕቶም እቶም ግዳያት ናይቲ ሓደጋ ሶማላውያን ምዃኖም ኣረጋጊጹ።

ይኹን’ምበር ሓያሎ ኤርትራውያን’ውን ከምዝነበሩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ብዘይካ’ቶም ሞይቶም ዘለዉ ሰለስተ ኤርትራውያን፣ ኣስታት ዓሰርተ ዝኾኑ’ውን ቆሲሎም ኣለዉ።

ካብቲ ሓደጋ ብዘይዝኾነ ጉድኣት ዝደሓኑ 58 ስደተኛታት ከኣ ኣብ ኣብ ሊብያ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፣ ብዓርቢ ኣብ መስመር ኡጋንዳ ጁባ ብዘጋጠመ ሓደጋ፣ ብዘይካቶም ከምዝቖሰሉ ዝተጠቕሱ ሰለስተ ኤርትራውያን ክልተ ኤርትራውያን’ውን በቲ ሓደጋ ከምዝሞቱ ክረጋገጽ ክኢሉ።

ኣብ መስመር ጁባ ካምፓላ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 45 ተሳፈርቲ ጽዒና እትጎዓዝ ዝነበረት ኣውቶቡስ  ብዘጋጠማ ሓደጋ፣ ብውሕዱ ሸሞንተ ሰባት ከምዝሞቱን
35 ከኣ ብከቢድን ፈኵሲን ከምዝቖሰሉን ሬድዮ ኤረና ኣብ ናይ ሰኑይ ፈነውኣ ኣቃሊሓቶ’ያ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0