ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ኣብ ኬንያ ልዕሊ 4.3 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ ዘመናዊ ሆቴል ክሃንጹ’ዮም

ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ኣብ ኬንያ ልዕሊ 4.3 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ ዘመናዊ ሆቴል ክሃንጹ’ዮም

Radio Erena: 05 June 2017

Nairobi

ኤርትራውያን ኣውፈርቲ፣ ኣብ ኬንያ ከተማ ናይሮቢ፣ ልዕሊ 4.3 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ ዘመናዊ ሆቴል ይሃንጹ ከምዘለዉ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ደይሊ ኔሽን ሓቢሩ።

እቲ ማዕከን ዜና ብዘቕረቦ ሓበሬታ መሰረት፣ እቲ ኣብ ከተማ ኬንያ፣ ኪሊማኒ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ብኢሳይያስ ደሳለ በርሀን ዊንታ መንግስትኣብን ብዝተወከለ ናይ ወፍሪ ትካል ብሄራን ኢንተርፕራዝ ዝህነጽ ዘመናዊ ሆቴል፣ በዓል ኣርባዕተ ኮኾብ ኮይኑ 15 ደርቢ ዘለዎ’ዩ።

ዝተፈላለየ ዓቐንን ኣርቦትን ዘለዎ ኣስታት 150 መደቀሲ ክፍልታት ዝውንን እዚ ዘመናዊ ሆቴል፣ መዘናግዒ ክለባት፣ ቤት መግብን ባርን ከምኡ ድማ መዐሸጊ 160 መካይን ክህልዎ’ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ብሰንኪ ዝኽተሎ ናይ ወፍሪ ፖሊስን ዘለዎ ዘይውሑስ ፖለቲካዊ ስርዓትን፣ ዜጋታት ይኹኑ ወጻእተኛታት ኣውፈርቲ ንኤርትራ ቀዳምነት ከምዘይህቡዋ ዝፍለጥ’ዩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ህንጻ፣ ቱሪዝምን ሆቴልን ካልእን ወፍሪ ንምክያድ ዝተበገሱ ዜጋታት ብሰንኪ እቲ ዘሎ ኩነታት ካብታ ሃገር ድሕሪ ምውጽኦም፣ መብዛሕቶም ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ኡጋንዳ፣ ኬንያን ኣንጎላን ዕዉት ወፍሪ ኣብ ምክያድ ይርከቡ።

=======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0