ኤርትራውያን ኣትሌታት፣ ብሰንኪ መእተዊ ቪዛ ካብ ውድድር ተሪፎም

ኣብ ዩኪሬን ከተማ ዶነስክ ኣብ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ውድድር ኣትለቲክስ ንምስታፍ ካብ ዝተበግሱ ሓያሎ ኤርትራውያን ኣትሌታት፣ ብሰንኪ መእተዊ ቪዛ ካብ ኣስመራ ክነቕሉ ከምዘይክኣሉ ተሓቢሩ።

    እቶም ሓያሎ ኤርትራውያን ኣትለታት፣ ኩሉ’ቲ ኣህጉራዊ መለክዒታት ኣትለቲክስ ኣማሊኦም ክነሶም፣ ናብ ኣአንጋዲት ሃገር ዩክሬን ንምእታው ዘድሊ ቪዛ ኣቐዲሙ ክሳለጠሎም ብዘይምኽኣሉ’ዮም፣ ሒደት ሰዓታት ቅድሚ ምብጋሶም ኣብቲ ውድድር ክሳተፉ ከምዘይክእሉ ዝተሓበሮም።

    ነቲ ናይ ቪዛ መስርሕ ከሳልጥ ዝግብኦ ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ፣ ናይቲ ጉዳይ ተሓታቲ ክኸውን ይግብኦ ዝበሉ ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ኣፍቀርቲ ስፖርት ድማ፣ እዚ ናይ ፈለማ እዋን ከምዘይኮነ ብምጥቃስ፣ ኣቐዲሙ’ውን ብሰንኪ ተመሳሳሊ መስርሕ ሓያሎ ኤርትራውያን ኣትሌታት ኣብ ፖላንድ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ክሳተፉ ከምዘይክኣሉ ኣዘኻኺሮም።

    ኤርትራውያን ኣትሌታት ኣብ ኣህጉራዊ ውድድራት ከሳትፎም ዝኽእል ዓቕምን ብቕዓትን ኣዋህሊሎም ብኣህጉራዊ ፈደረሽን ኣትሌቲክስ ማለት IAAF ዝጥለብ ነጥብን መምዘኒታትን ኣማሊኦም ክነሶም፣ ብሰንኪ ሸለልትነት መስርሕ ምስላጥ ቪዛ ካብ ክልተ ኣገደስቲ ውድድራት ምትራፎም ኣብ ስፖርት ሃገርና ብፍላይ ድማ ኣብቲ ኤርትራ ብዝልዓለ ክትዕወተሉ ተኽእሎ ዘለዋ ጉያ እግሪ ዓቢ ስምብራት ይገድፍ ምህላዉ’ውን ነቒፎም።

    ብኣህጉራዊ ፈደረሽን ኣትሌቲክስ IAAF ተዳልዩ ካብ 10 ክሳብ 14 ሓምለ ኣብ ዩክሬን-ዶንስክ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮና መንእሰያት ዓለም፣ ብብዝሒ ወርቂ ማዳልያታት ብምርካብ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ዝሓዛ ሃገራት፣ ጀማይካ፣ ኬንያን ኢትዮጵያን’የን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0