ኤርትራውያን ኣትለታት፣ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ድሙቕ ዓወታት ኣመዝጊቦም

ኣብ ቅድድም ብሽክለታን ጉያ እግሪን ዝነጥፉ ኤርትራውያን ኣትለታት፣ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ድሙቕ ዓወታት ኣመዝጊቦም።

በዚ መሰረት፣ ምስ ቤልጂማዊት ክለብ ዝወዳደር ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ፣ ብ3 መስከረም ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይ ውድድር ክላሲክ ግራንድ ቤሳንኮን ዶውብስ፣ ቀዳማይ ብምውጽእ ተዓዊቱ።

ቢንያም፣ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ስምን ዝናን ንዘለዎም ብሉጻት ተቐዳደምቲ ዓለም ብቮላታ ብምስዓር’ዩ ነዚ ዓወት ተጓናጺፉ።

ብሰንበት 5 መስከረም ኣብ ዝቐጸለ ካልእ ቅድድም ድማ ቢንያም ካልኣይ ኮይኑ ክዛዝም እንከሎ፣ ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን ድማ ራብዓይ ኮይኑ ስዒብዎ።

ኣብ’ዚ ዓመት ኣብ 29 መዓልታት 5,060 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ዝሸፈነ ቢንያም፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 3 መዓልታት 245 ናይ ዩ.ሲ.ኣይ ነጥቢ ኣዋህሊሉ ዘሎ ሓደ ካብ ብሉጻት ፕሮፌሽናል ተቐዳደምቲ’ዩ።

ኣብ ቅድድም ጉያ እግሪ ድማ፣ ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዜግነት ፈረንሳ ዝወሰደት ኤርትራዊት መቕደስ ወልዱ፣ ሻምብዮን ቅድድም ጉያ እግሪ 10 ሽሕ ሜትሮ ፈረንሳ ኮይና።

ኣትለት መቕደስ ወልዱ፣ ኣብ 29 ነሓሰን 4 መስከረምን ኣብ ዝተኻየደ ክልተ ቅድድማት ጉያ እግሪ 10 ሽሕ ሜትሮ፣ ኣብ ክልቲኡ ቀዳመይቲ ብምውጻእ’ያ፣ ሻምፕዮን ፈረንሳ ኮይና ዘውዲ ደፊኣ ዘላ።

ኣብ ጃፓን ኣብ ዝተኻየደ፣ ኣካለ ስንኵላን ዝኾኑ ኣትለታት ኣብ ዝሳተፍዎ፣ ፓራኦሎምፒክ ቶክዮ 2020፣ ንኔዘርላንድስ ወኪሉ፣ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ዝተሳተፈ ኤርትራዊ ዳንኤል ኣብርሃም (ዳዊት ኢራብ)፣ ብ31 ነሓሰ ኣብ ዝተሰላሰለ ናይ ክሮሜተር ውድድር ቀዳማይ ብምውጻእ ወርቂ ማዳልያ ተዓዊቱ።

እዚ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝነበረሉ እዋን’ውን ዕዉት ተቐዳዳምይ ዝነበረ ኣትለት፣ ብ3 መስከረም’ውን ኣብ ናይ ጽርግያ ቅድድም ብምስታፍ፣ ሳልሳይ ኮይኑ ብምእታው፣ ነታ ዝወከላ ሃገር ኔዘርላንድስ ወርቅን ነሓሰን ኣግዚሙዋ።

ክቡራት ሰማዕቲ፣ ብዛዕባ’ዚን ካልእን ዝርዝራዊ ሓበሬታ ዝሓቖፈ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት፣ ኣብ ናይ ሎሚ ፈነወና ክቐርብ’ዩ።

==================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0