ኤርትራውያን ነበርቲ ካርቱም፣ ኣብ ሞንጎ ኲናት ተቐርቂሮም ከም ዘለዉ ገሊጾም

Radio Erena: Wednesday, 02 August 2023

ኣብ ከተማ ካርቱምን ከባቢኣን ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ኲናት፣ ኣብ ከቢድ ጸገም ወዲቖም ከምዘለዉ ገሊጾም።

ካብ’ቶም ኣብ መንጎ ኲናት ተቐርቂሮም ዘለዉ ኤርትራውያን ዜጋታት ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፣ ኣብ ኢዶም ገንዘብ ዝጸንሖም ገለ ሰባት፣ ወረቓቕቲ ብምስራሕ ናብ ደቡብ ሱዳን ክወጹ እንከለዉ፣ እቶም ዝኾነ መንነቶም ዝገልጽ ደኩመንት ዘይብሎም ግና፣ ኣብ መንጎ ሓዊ ተቐርቂሮም ምህላዎም ኣመልኪቶም።

ዝበዝሑ ካብ’ቶም ኣብ ጸገም ወዲቖም ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ናይ መንበሪ ፍቓድ ይኹን መንነቶም ዝገልጽ ሕጋዊ ሰነድ ዘይብሎም እዮም።

ማሕበረሰብ ንግዲ ኤርትራውያን፣ ገንዘብ ኣዋጺኡ ምስ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ብምትሕብባር፣ ክሳብ 100 ዝኾኑ ኤርትራውያን እንዳዕቆበ ክተሓጋገዝ ምጽንሑ ዝገልጹ እቶም ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ምንጭታት፣ ምስ ብዝሒ’ቶም ሓገዝ ዝደልዩ ኣወዳዲርካ፣ ብደረጃ መንግስቲ ዝካየድ ህጹጽ ረዲኤት ክግበር ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ከተማ ጁባ ዝርከብ ማሕበረሰብ ንግዲ ኤርትራውያን፣ ኣቐድም ኣቢሉ ንደቡብ ሱዳናውያን ተመለስቲ ዝኸውን ረዲኤት ንምግባር ናይ 100 ሚልዮን ፓውንድ ደቡብ ሱዳን ሓገዝ ምግባሮም ይገልጹ።

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ነቲ ናይ ኤርትራውያን ሰብ ጸጋ ረዲኤት ኣፍልጦ ንምሃብ፣ ካብ ሱዳን ንዘምልጡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዓቕሙ ደገፍ ክገብር ከምዝኾነ ሓቢሩ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0