ኤርትራውያን ነበርቲ ሆላንድ፣ ከባቢ ከተማ ካምፐን፣ ብህግደፍ ንዝተወደብ ሰሚናር ዝቃወም ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

Radio Erena: 27 October 2019

ደለይቲ ፍትሒ ዝኾኑ ኤርትራውያን ነበርቲ ሆላንድ፣ ከባቢ ከተማ ካምፐን፣ ብህግደፍ ንዝተወደበ ሰሚናር ንምቅዋም፣ ሎሚ ሰንበት 27 ጥቅምቲ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቶም 10ታት ዝኾኑ ኤርትራውያን፣ ኣብቲ ብኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ቤልጁም፣ ኣቶ ነጋሲ ካሳ ዝተወደበ ሰሚናር ህግደፍ ንምስታፍን ሕቶታትም ንምቕራብን ናብቲ ኣኼባ ዝካየደሉ ኣዳርሽ ንምእታው እኳ እንተፈተኑ፣ ክፍቀደሎም ኣይከኣለን።

ይኹን’ምበር፣ ከንቲባ እቲ ከተማ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ምስቶም ኤርትራውያን ከምዝተዘራረበን ንዘቕረብዎ ጥርዓን ድማ ከጻሪ ምዃኑን ገሊጽሎም።

ኣኼባ ህግደፍን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒን ብፖሊስ ተዓጂቡ’ዩ ተኻይዱ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ፣ ንኣቶ ኩብሮም ዳፍላ ካብቲ ቦታ ተወኪስናዮ ኣሎና፣-

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0