ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ስዊዘርላንድ ንሓድሕዶም ብዘለዓዓልዎ ባእሲ ኣርባዕተ ቆሲሎም 14 ከኣ ተኣሲሮም

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ስዊዘርላንድ ንሓድሕዶም ብዘለዓዓልዎ ባእሲ ኣርባዕተ ቆሲሎም 14 ከኣ ተኣሲሮም

Radio Erena: 12 July 2016

swi

ኤርትራውያን ስደተናታት ኣብ ስዊዘርላንድ ንሓድሕዶም ብዘለዓዓልዎ ባእሲ ኣርባዕተ ቆሲሎም 14 ከኣ ኣብ ቀይዶ ኣትዮም።

ማዕከን ዜና 20 ደቓይቕ ብዘቕረቦ ጸብጻብ መሰረት፣ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተላዕለ ባእሲ ብቀዳም 9 ሓምለ ኣብ ከተማ ዙሪክ ራብዓይ ዞባ’ዩ።

ነቲ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ከባቢ ሰዓት 2 ዝተወልዐ ባእሲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምህድኡ ፖሊስ ከተማ ዙሪክ ብብዝሒ ከምዝተዋፈሩ’ውን እቲ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።

 

ኣብቲ ፍጻሜ ብጠራሙዝን ካልእ በላሕቲ ነጋርትን ዝተሃርሙ ኣርባዕተ ኤርትራውያን መንእሰያት ናብ ሆስፒታል ክውስዱ እንከለዉ፣ ፖሊስ ከተማ ዙሪክ ኣብቲ ከባቢ ንዝጸንሑ ምስቲ ባእሲ ምትእስሳር ክህልዎም ንዝክእል 14 ኤርትራውያን ስደተኛታት ቀይዶም።

እቶም ኣብቲ ባእሲ ዝቖሰሉን ዝተቀየዱን ብምልኦም ኣብ ክሊ ዕድመ 16 ክሳብ 20 ከምዝርከቡ 2ማዕከን ዜና 20 ደቃይቕ ጠቒሳ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሸውዓተ ዓመታት ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ዝወሓዙ ሓደስቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ባህልን ክብርን ስደተኛታት ኤርትራ ዘይፍለጥ ዝነበረ ከም ዓመጽ፣ እምባጋሮ፣ ባእስን ቅትለትን ከዘውትሩ ከምዝርኣዩ’ዩ ዝንገረሎም።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0