ኤርትራውያን፣ ንምልዓል እገዳ ብዝተፈላለየ ስምዒታት ይገልጽዎ ኣለዉ

ኤርትራውያን፣ ንምልዓል እገዳ ብዝተፈላለየ ስምዒታት ይገልጽዎ ኣለዉ

Radio Erena: 16 November 2018

Sanction lifted

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንትሽዓተ ዓመታት ኣጽኒዕዎ ዝጸንሐ እገዳ ምልዓሉ፣ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን ብዝተፈላለየ ስምዒታት ይገልጽዎ ኣለዉ።

ደገፍቲ ህግደፍ፣ ንምልዓል እቲ እገዳ፣ ብጓይላን ሆይሆይታን ክገልጽዎ እንከለዉ፣ ደለይቲ ለውጢ ዝኾኑ ወገናት ከኣ፣ እሱራት ከይፍትሑንን ቅዋም ንኸይትግበርን፣ ዝተነብረሉ እገዳን ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ፣ ‘ኣይ ሰላን ኣይ ኩናት’ ሃዋሁውን ከም መመኽነይታ ክትቐመሉ ንዝጸንሐ መንግስቲ፣ ምኽንያት ዝኸልእ ኣጋጣሚ ስለዝኮነ፣ እቲ መንግስቲ ናብ ዴሞክራስያዊ ስርዓት ክምለስ ዘገድድ ሓድሽ መድረኽ’ዩ እናበሉ ይትንትንዎ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ቅዋም ከይትግበር፣ ሃገራዊ ባይቶ ከይእከብን፣ ሓፈሻዊ ምርጫ ከይካየድን፣ ከም ኣውራ ጠንቕታት ከቕርቦ ዝጸንሐ ምኽንያታ፣ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሐ ኩነታትን እገዳ ምዃኑ ዝፍለጥ’ዩ።

እዚ ክልቲኡ ኣብ ዘይብሉ መድረኽ፣ እቲ መንግስቲ ነዞም ናብ ዴሞክራስያዊ ስርዓት ዘሰጋግሩ ስጉምታት ክወስድ፣ ብፍላይ ድማ ንልዕሊ 16 ዓመታት ኣሲሩ፣ ደሃዮም ኣጥፊእዎም ናይ ዘሎ ዜጋታት ሃለዋቶም ክሕብርን ናይ ብዙሓት ትጽቢት’ዩ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0