ኤርትራዊ ጋዜጠኛን ገጣሚን ሃይለ ቢዘን፤ ካብ ማሕበር ጸሓፍቲ ኖርወይ ስልማት ተቐቢሉ

Radio Erena: Friday, 31 May 2024

ኤርትራዊ ጋዜጠኛን ገጣሚን ሃይለ ቢዘን፤ ናይ’ዚ ዓመት ብሉጽ ጸሓፋይ ተባሂሉ ካብ ማሕበር ጸሓፍቲ ኖርወይ ስልማት ተቐቢሉ።

ኣብቲ ብዕለት 28 ግንቦት፣ ኣብ ሊልሃመር ኖርወይ ዝተኻየደ ፈስቲቫል መጻሕፍቲ፣ ሃይለ ቢዘን በታ ‘ኮይነ ኣለኹ ንበል’ እትብል መጽሓፉ እዩ ነዚ ናይ ክብሪ መዓርግ ዘለዎ ስልማት ተዋሂቡ።

‘’ጋዜጠኛ ሃይለ ቢዘን፣ ብዝተጠቕመሉ ሓያል ቋንቋ፣ ውሽጣዊ ስምዒት ኣብ ምግላጽ፣ ንባህሊ ብዝተፈልየ ኣረኣእያ ከምእትዕዘብ ገይሩ’’፣ ብምባል ነቲ ስልማት ከምዝበቐዐ፣ ዳኛታት’ቲ ውድድር ኣፍሊጦም።

ጋዜጠኛ ሃይለ ቢዘን፣ ገጣሚ፣ ተርጓሚን ኣርታዒን እውን’ዩ።

==========

COMMENTS

WORDPRESS: 0