‘ኤርትራዊ ዲፕሎማሰኛ ኣብ ዚምባብዌ፣ ብወዱ ብኻራ ተቐቲሉ’

Radio Erena: 19 January 2022

ሓደ ኤርትራዊ መንእሰይ፣ ኣብ ዚምባብዌ ንዝነብሩ ስድራቤቱ ብኻራ ከምዘጥቅዖም ማዕከናት ዜና ዚምባብዌ ሓቢረን።

እቲ ኣብ ሆላንድ፣ ተማሃራይ ዩኒቨርስቲ ምዃኑ ዝተጠቕሰ ኤርትራዊ መንእሰይ፣ ብቀዳም 15 ጥሪ፣ ንክልቲኦም ወለዱ ብውሕዱ 18 ግዜ ብኻራ ከምዝወግኦም ጸብጻብ ፖሊስ ዚምባብዌ ኣፍሊጡ።

ዳኒኤል ፍጹም ዝተባህለ፣ ዲፕሎማሰኛ ምዃኑ ዝተገልጸ ኣቦኡ፣ ኣብ ኣፍልቡን ከብዱን ብኻራ ተወጊኡ ክመውት እንከሎ፣ ዮርዳኖስ ዘርኦም ዝተባህለት ኣዲኡ ድማ ከቢድ ጉድኣት በጺሑዋ ኣብ ሆስፒታል ትእለ ኣላ።

እቲ ብቅትለት ኣቡኡን ፈተነ ቅትለት ኣዲኡን ዝተኸሰሰ ኤርትራዊ መንእሰይ፣ ኣብ 27 ጥሪ፣ ደጊሙ ናብ ቤት ፍርዲ ክሳብ ዝቐረብ፣ ኣብ ቀይዲ ክጸንሕ’ዩ።

እቲ ወዲ 23 ዓመት መንእሰይ፡ ንወሉዱ ብጭካነን ዘስካሕክሕ ኣገባብን ብኻራ ዘጥቓዓሉ ምኽንያት ኣይተፈልጠን።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0