ኤርትራዊ ኣትለት ጎይትኦም ክፍለ፣ ኣብ ሆላንድ ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ማራቶን ሳልሳይ ወጺኡ

Radio Erena: 20 April 2021

ኤርትራዊ ኣትሌት ጎይትኦም ክፍለ ብሰንበት 18 ሚያዝያ፡ ኣብ ኤንሸደ ኔዘርላንድ ኣብ ዝተኻየደ፡ ውድድር NN Mission Marathon ሳልሳይ ብምእታው ተዓዊቱ።

ኣብ’ዚ ኣብ ከባቢ መዕርፎ ነፈርቲ ትዌንቴ ንዝተዳለወ ናይ 5 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ዘለዎ ዙርያ፡ ልዕሊ 8 ግዜ ዝኾለለ በዳሂ ቅድድም፡ ወናኒ ክብረወሰን ውድድር ማራቶን ዓለም፡ ኬንያዊ ኣትሌት ኤሊዩድ ኪፕቾገ፡ ብ2 ሰዓታት፡ 4 ደቓይቕን 30 ካልኢታትን፡ ቀዳማይ ብምዃን ኣትዩ።

ወዲሃገሩ ዮናታን ኮሪር፡ 2 ደቓይቕን 10 ካልኢታትን ጸኒሑ ካልኣይ ኮይኑ ክኣቱ ከሎ፡ ሳልሳይ ኮይኑ ዝኣተወ ኤርትራዊ ኣትለት፣ ጎይትኦም ክፍለ ድማ፡ ነቲ ዝተመደበ ልዕሊ 42 ኪሎ ሜትርርሕቐት ዝነበሮ ውድድር ንምውዳእ፡ 2 ሰዓታት፡ 8 ደቓይቕን 7 ካልኢታትን ወሲዱሉ።

ወዲ 28 ዓመት ጐይትኦም፡ በዚ ውጽኢት’ዚ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ኣመዝጊብዎ ዝጸንሐ ናይ ውልቑ ዝበለጸ ቕልጣፈ፡ ብ2 ደቓይቕ ከመሓይሾ ክኢሉ ኣሎ።

ኣብ’ዚ ውድድር ዝተሳተፈ፡ ወዲ 34 ዓመት ኤርትራዊ ኣትሌት ህዝቕኤል ተወልደ ብወገኑ፡ 2 ሰዓታት፡ 10 ደቓይቕን 7 ካልኢታትን ግዜ ብምምዝጋብ፡ ታሽዓይ ተርታ ተሰሪዑ።

 

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0