ኤርትራዊ መትከል ኢዮብ፣ ኣብ ዙር ርዋንዳ፣ ብውህሉል ግዜ ቀዳማይ ብምዃን፡ ብጫ ናይ ክብሪ ማልያ ለቢሱ

Radio Erena: 06 May 2021

ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ማሌዣዊት ኮንቲነንታል ክለብ ቴሬንጋኑ፡ መትከል ኢዮብ፡ ሎሚ ሓሙስ 6 ግንቦት፡ ቐጺሉ ኣብ ዝወዓለ 149.3 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ዝሸፈነ ሓሙሻይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ፡ ካብ ተዓዋቲ ናይ’ዚ ዕለት ተቐዳዳማይ ፈረንሳዊት ክለብ ቢ.ኤንድ ቢ. ሆቴልስ ኣላን ቦይላው፡ 2 ካልኢታት ተፈንቲቱ፡ ሳልሳይ ደረጃ ብድሕሪ ምሓዙ፡ ብውህሉል ግዜ ቀዳማይ ብምዃን፡ ብጫ ናይ ክብሪ ማልያ ለቢሱ።

ነቲ ክሳብ ሕጂ ተሰላሲሉ ዘሎ ሓሙሽተ መድረኻት፡ ብ16 ሰዓታት፡ 49 ደቓይቕን፡ 5 ካልኢታትን ብምዕማም ጐብለል ኮይኑ ዝመርሕ ዘሎ መትከል፡ ነታ ሎሚ ክለብሳ ዝበቕዐ ማልያ፡ ካብ ኮሎምብያዊ ተቐዳዳማይ ብርያን ሳንቸዝ እዩ መንዚዕዋ።

ስጳኛዊ ተቐዳዳማይ ክርስትያን ሮድሪገዝን፡ ኣሜሪካዊ ተቐዳዳማይ ኣሌክስ ሆይን፡ ብቅደም ተኸተል፡ 4 ከምኡ’ውን 2 ካልኢታት ካብ መትከል ድሒሮም፡ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ሒዞም ኣለዉ።

ንጻዕዳ ማልያ ብሉጽ መንእሰይ ብሒቱ ዘሎ፡ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ናሆም ዘርኣይ ብወገኑ፡ ካብ’ቲ ኣብ ታሪኽ ዙር ርዋንዳ፡ 5 ናይ መድረኽ ዓወታት ብምምዝጋብ፡ ምስ ርዋንዳዊ ቫለንስ ንዳይሰንጋ ብሓባር ክብረወሰን ሒዙ ዘሎ መትከል፡ ብ18 ካልኢታት ተፈልዩ፡ 8ይ ደረጃ ብምሓዝ ምስ ቀዳሞት 10 ተቐዳደምቲ ተሰሪዑ ኣሎ።

ሻዱሻይ መድረኽ መበል 13 ኣህጉራዊ ውድድር ዙር ርዋንዳ፡ ጽባሕ ብናይ 152.6 ኪሎ ሜትር ጉዕዞ ክቕጽል እዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0