ኤርትራን ግብጽን፣ ንወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን ንምሕጋዝ ዘትየን

Radio Erena: 10 June 2019

መራሕቲ ኤርትራን ግብጽን፣ ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ ተገሊሉ ንዝርከብ ወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን ንምሕጋዝ ከምዝዘተዩ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

እቶም መራሕቲ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ግብጺ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ብምትኳር’ዮም ተመያይጦም።

ግብጺ ኣቐዲማ፣ ምስ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ብምውጋን፣ ንወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን ዘለዋ ደገፍ ከተረጋግጽ እንከላ፣ ኤርትራ ድማ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኣቶ፣ ንመርገጺ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ብምንቃፍ፣ ምስ ‘ተን ሃገራት ዓረብ ከምዝወገነት ዝእንፍት መግለጺ ምዝርጋሕ ይፍለጥ።

መራሕቲ ግብጽን ኤርትራ፣ ንወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን ንምድጋፍ ዘተ ዘካየዱ፣ ንመርገጺ ሕብረት ኣፍሪቃ እትድግፍ ኢትዮጵያ፣ ኣብ መንጎ ወትህደራዊ ጉጅለን ተቕወምቲ ሰልፍታትን፣ ዝወሰደቶ ናይ ምቅርራብ ተበግሶ ከምዘይተዓወተ ኣብ ዝግለጸኩ ዘሎ ዕለታት’ዩ።

እቲ ወትሃደራዊ ጉጅለ ንኹሎም እቶም ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ናይ ምቅርራብ ዘተ ዝተሳተፉ መራሕቲ ፖለቲካውን ሰልፍታትን ድሕሪ ኣሲርዎም ይርከብ።

ወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን፣ ስልጣኑ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ናብ ሲቪላዊ መንግስቲ ከሰጋገር ክጽውዕ ዝጸንሐ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ እዚ ክሳብ ዝትግበር ንሱዳን ካብቲ ሕብረት ገሊሉዋ ኣሎ።

እዋናዊ ኣቦ መንበሩ፣ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ዝኾነ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ንወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን፣ ካብ ኣባልነቱ ምድስካሉ፣ ኣመሪካን ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳን ንዝርከብአን ሓያሎ ሃገራት ደገፈን ሂበናሉ።

እንተኾነ፣ እዚ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ስጉምቲ፣ ንኣቦ መንበር ናይቲ ሕብረት ዝኾነ ፕረዚደንት ግብጺን፣ ካብቲ ሕብረት ንኣስታት 20 ዓመታት ተነጺሉ ዝርከብ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ከምዘየሐጎሶም፣ ካብ መግለጺታት እተን ሃገራት ምርዳእ ይከኣል።

ግብጺ፣ ምስ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ብምዃን፣ ነዚ እብ ድሮ ዒድ፣ ልዕሊ 110 ሰለማውያን ሰባት ዝቐዘፈ ወትሃደራዊ ጉጅለ ዝድግፋሉ ዘለዋ ምኽንያት፣ ምስ ቱርኪን ቀጠርን ዝጸንሐ ዝምድና ሱዳን ክብተኽ ካብ ዘለወን እምነት ምዃኑ ተንተንቲ የረድኡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ድማ ነዚ ወትህደራዊ ጉጅለ ሱዳን ከምዝድግፍ ዝድግፍ መግለጺ ዘውጽኣሉ፣ ምስዘን ሓያሎ ምወላታት ዝገብራሉ ዘለዋ ሃገራት ዓረብ ስለዝወገነ ጥራይ ምዃኑ ይጥቐስ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ወትሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን፣ ስልጣኑ ናብ ሲቪላዊ መንግስቲ ከሰጋግር ዝጽውዕ ኣድማ ብዝሎኣለ መልክዑ ይቕጽል ኣሎ።

እቲ ትካላት ብምዕጻውን ስራሕ ደው ብምባልን ዝካየድ ዘሎ ኣድማ፣ ነታ ብቁጠባ ተዳኺማ ዘላ ሱዳን ብዝበኣሰ የሰናኽላ ከምዘሎ ተንተንቲ የረድኡ።

ሓይልታት ጸጥታ ናይቲ ወትሃደራዊ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ኣድማ ዘካይዱ ዘለዉ ዜጋታት እታ ሃገር ብዝኸፈትዎ ቶኽሲ ብሰንበት 9 ሰነ ብውሕዱ ኣርባዕተ ሰባት ቀቲሎም።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Zemed 5 years ago

    This Platform is Sponsored by French intelligence agency. France, with her aggressive colonized mentality, is not only with her elite troops in Djibouti, but in other 24 African country.
    Erena is trying to insult us. What make very sad is, that from my own family (wedi aya Simon) is a cheap (husur) Jesus of France.