ኤርትራን ጅቡትን፣ ብሰንኪ ብኤርትራ ተታሒዙ ዝብሃል ዘሎ ወትሃደራዊ መኮነን ጅቡቲ ዳግም ኣብ ምስሕሓብ ከምዝርከባ ተገሊጹ

ኤርትራን ጅቡትን፣ ብሰንኪ ብኤርትራ ተታሒዙ ዝብሃል ዘሎ ወትሃደራዊ መኮነን ጅቡቲ ዳግም ኣብ ምስሕሓብ ከምዝርከባ ተገሊጹ

Radio Erena: 15 August, 2014

Eri Dji

ኤርትራን ጅቡትን ብሰንኪ’ቲ ብ25 ሓምለ ብኤርትራ ተታሒዙ ዝተባህለ ወትሃደራዊ መኮነን ጅቡቲ፣ ዳግም ኣብ ምስሕሓብ ከምዝርከባ ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ገሊጸን።

እቲ ኮርፖራል ኣሕመድ ዓብደላ ካሊል ዝተባህለ ንወትሃደራዊ ልኡኽ ቀጠር ብምስናይ ናብቲ ምስ ኤርትራ ዘሰሓሕብ ዘሎ ከባቢታት ዝኣተወ ወትሃደራዊ መኮነን ጅቡቲ፣ ብኤርትራ ከምዝተታሕዘ ዘረጋገጸ፣ መግለጺ ሚኒስተር ምክልኻል ጅቡቲ፣ ብህጹጽ ክፍታሕ ምጽውዑ ኣፍሪስኩፕ ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ ገሊጹ።

 

ሚኒስትሪ ምክልኻል ጅቡቲ ኣብቲ ብሮቡዕ 13 ነሓሰ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ እዚ ብኤርትራ ካብ ዝተሓዝ ክልተ ቅነ ጌሩ ዘሎ ወትሃደራዊ መኮነን ጅቡቲ፣ ብዝቐልጠፈ እንተዘይተፈቲሑ፣ እቲ ብመንጎኝነት ቐጠር ዝተጀመረ ናይ ዕርቒ መስርሕ፣ ክስረዝ ከምዝኽእል’ውን ኣጠንቒቑ።

ጅቡቲ፣ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ እዚ ብዝምልከት ናብ ንግስነት ቐጠር’ውን ክሲ ኣቕሪባ እኳ እንተላ፣ ቐጠር ዝኾነ መግለጺ ኣይሃበትሉን።

ቐጠር ኣብቲ ንኤርትራን ጅቡትን ዘሰሓሕብ ከባቢታት፣ ተዓዛቢ ሰራዊት ኣዋፊራ ከምዘላ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እቲ ወትሃደራዊ ልኡኽ’ውን ናብቲ ቦታምክያድ እንከሎ’ዩ፣ ነቲ ልኡኽ ንምስናይ ናብቲ ቦታ ዝኣተወ ወትሃደራዊ መኮነን ጅቡቲ ብኤርትራ ከምዝተታሕዘ ዝግለጽ ዘሎ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ብዛዕባ’ዚ ብጅቡቲ ቀሪቡ ኣሎ ዝብሃል ክሲ ብዝምልከት ዝኾነ መልሲ ወይ መብርሂ ኣይሃበሉን።

ጅቡቲ ብዘይካ’ዚ፣ ኣብቲ ኣብ 2008 ኣብ ከባቢታት ዱሜራ ኣብ ዝተኻየደ ኵናት ብኤርትራ ዝተማረኹ ዜጋታት ደሃይ ከምዘይብላን’ያ ትወቕስ።

ጅቡቲ ዝማረኸቶም 19 ኤርትራውያን ድማ ከም ግብረ መልሲ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ብዘይዝኾነ መሰል ሒዛቶም ከምዘላ ብተደጋጋሚ እዋን ተገሊጹ’ዩ።

ቐጠር፣ ነቲ ኣብ መንግኦኦ ኤርትራን ጅቡትን ዝተወልዐ ኵናት 2008 ንምሽምጋል ተበግሶ ካብ እትወስድ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ሽዱሽተ ዓመቱ ውጽኢቱ ክፍለጥ ኣይተኻእለን።
=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0