ኤርትራን ርዋንዳን ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ዘለወን ዑቕር ጸጋ፣ ንዝመጽእ ዓመታት ኣብ ኣህጉራዊ ቅድድማት ዓብላለነት ክህልወን ከምዝኽእል ተገሊጹ

ኤርትራን ርዋንዳን ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ዘለወን ዑቕር ጸጋ፣ ንዝመጽእ ዓመታት ኣብ ኣህጉራዊ ቅድድማት ዓብላለነት ክህልወን ከምዝኽእል ተገሊጹ

Radio Erena: 24 Novermber 2014

Mekseb cyfi

ኤርትራን ርዋንዳን ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ዑቕር ጸጋ ዘለወን ሃገራት ብምዃነን ኣብ ዝመጽእ ዓመታት ኣብ ኣህጉራዊ ውድድራት ዓብላልነት ክህልወን ተኽእሎ ከምዘሎ ለ ኢኩፕ ዝተባህለት ኣብ ፈረንሳ እትሕተም ናይ ስፖርት ጋዜጣ ጠቒሳ።

እታ ጋዜጣ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ርዋንዳ ክካየድ ዝቐነየ ቅድድም ዙር ርዋንዳ ኣመልኪታ ኣብ ዘስፈረቶ ሰፊሕ ጸብጻብ፣ ኣብቲ በዳሂ ቅድድም ካብ ኤርትራ፣ ርዋንዳ፣ ኣልጀርያ፣ ሞሮኮ፣ ብሩንዲ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ኢትዮጵያ፣ ፈረንሳን ጀርመንን ካብ ዝርከብአን ሃገራት ዝተዋጽኣ 14 ጋንታታት ይሳተፋ ምህላወን ብምሕባር፣ ኣብዚ ቅድምም’ዚ ኤርትራውያን ጎሊሖም ከምዝተራእዩ ገሊጻ።

 

ናይ መጀመርያ ኣመሪካዊ ተሳታፋይ ቅድድም ዙር ፈረንሳ ዝኾነ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ርዋንዳ ጆናታን ቦየር ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ብወገኑ፣ እዚ ኣብ ርዋንዳ ዝተኻየደ ቅድድም፣ ንምስሊ እታ ሃገር ኣብ ርእሲ ምቕያሩ፣ ዓቕሚ ኣፍሪቃውያን ዘጉልሐ’ዩ ክብል ደምዲሙ።

ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ዝተዛዘመ ሸውዓተ መድረኻት ዝሓቖፈ ዙር ርዋንዳ፣ ኤርትራውያን በብመድረኹ ዓበይቲ ዓወታት ከምዝተጎናጸፉ ዝፍለጥ’ዩ።

ንሻብዓይን ናይ መወዳእታን መድረኽ ዙር ርዋንዳ ሞሮካዊ ሳልሓዲን ምራውኒ ብዓወት ክዛዝሞ እንከሎ፣ ሩዋንዳዊ ቫለንስ ንዳዪሰንጋ ኸኣ ናይ መጀመርያ ሩዋንዳዊ ተዓዋቲ ብጫ ማልያ ኣህጉራዊ ቅድድም ብሽክለታ ዙር ሩዋንዳ ብምዃን ታሪኽ ሰሪሑ።

ኤርትራውያን ዳዊት ሃይለ፡ ብርሃነ መልኣከ፡ ኤልያስ ኣፈወርቂን ሚልዮን ኣማኑኤልን ከኣ፡ ከከም ተርትኦም፡ ሳልሳይ፡ ራብዓይ፡ ሓሙሻይን ዓስራይን ኮይኖም ቅድድሞም ዛዚሞም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ተቐዳዳማይ ጀርመናዊት ክለብ ባይክ-ኣይድ ፎር ሄልፕ መኽሰብ ደበሳይ፡ ኣብ 2014 ዓመተ ምህረት፡ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ፡ ብኣህጉራዊ ማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ዓለም (UCI) ተፈላጥነት ኣብ ዘለዎም፡ ኣህጉራውያን ውድድራት ብሽክለታ፡ ብዘዋህለሎ ነጥቢ ላዕለዋይ ደረጃ ብምስርዑ፡ ትማሊ ሰንበት 23 ሕዳር 2014 ኣብ ዝተኻየደ መዕጸዊ ስነ ስርዓት ሻዱሻይ ኣህጉራዊ ቅድድም ብሽክለታ ዙር ሩዋንዳ ብኣህጉራዊ ማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ጻዕዳ ማልያ ተሸሊሙ።

መኽሰብ ነዚ ክብሪ’ዚ ዝረኸበ ናይ መጀመርያ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብምዃን ከኣ፡ ኣብ መዝገብ ታሪኽ ስሙ ኣስፊሩ።

ብዘይካ’ዚ መኽሰብ ደበሳይ ንዙር ርዋንዳ “ኣንበሳ ዓቐብ” ብምዃን ዛዚምዎ ኣሎ።
====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0