ኣዲስ ኣበባ፣ ተዛረብቲ ትግርኛ ብኣልማማ ይእሰሩ፣ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ካብታ ሃገር ክወጹ ብዝድለዩ ወጻእተኛታት ኣዕለቕሊቑ

Radio Erena: 02 November 2021

ሓይልታት ትግራይ፣ መጥቃዕታቶም ብምሕያል ናብ ዝተፈላለየ መኣዝን ኣብ ዝግስግስሉ ዘለዉ እዋን፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ተወላዶ ትግራይ ይኹኑ ኤርትራውያን ተዛረብቲ ትግርኛ ብኣልማማ ይእሰሩ ምህላዎም ምንጭታት ኤረና ሓቢሮም።

ስትራቴጃውያን ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ዝርከቦ ከባቢታት ተቖጻጺሮም ዘለዉ ሓይልታት ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክግስግሱ ከምዝኽእሉ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፣ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ከባቢታቶም ክሕልዉ ትእዛዝ ድሕሪ ምምሕልላፉ’ዩ ማእሰርትን ግፋታትን ተዛረብቲ ትግርኛ ብኢሱ ዘሎ።

ዝኾነ ዓይነት ጠበንጃ ዘለዎም ነበርቲ እታ ከተማ ኣብ ውሽጢ’ዚ ክልተ መዓልታት ክምዝገቡ ጻውዒት ዘቕረበ ክፍሊ ጸጥታን ድሕነትን ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ተፍትሽን ምቑጽጻርን ከምዝካየድ ብወግዒ ኣፍሊጡ ‘ዩ።

እቲ ክፍሊ፣ ብዛዕባ ህልዉ ኩነታት ጸጥታ እታ ሃገር ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብወረ ተናዊጻ ብምህላዋ፣ ነበርታ ከባቢኦም ባዕላቶም ክሕልዉ ከምዝተፈቕደሎም ኣረጋጊጹ።

ንመጥቃዕታት ሓይልታት ትግራይ ክብድህ ዘይክኣለ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓጸረ ከይፈርስ ተሰጊኡ ከምዘሎ ዝገልጹ ተንተንቲ ብወገኖም፣ ኢትዮጵያን ቀርኒ ኣፍሪቃን ናብ ሓደገኛ ናይ ኵናት ዞባ ክምዕብል ከምዝኽእል ኣጠንቂቖም።

ሓይልታት ትግራይ ብክልል ዓፈር ንኢትዮጵያ ምስ ጂቡቲ ናብ ዘረኻብ መስመር ሚለ፣ ብክልል ኣምሓራ ድማ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝወስድ መስመራት ንዘሎ ስትራቴጃዊ ቦታታት ንምቁጽጻር ይግስግሱ ከምዘለዉ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ሓቢሮም’ዮም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኩነታት ኢትዮጵያ እነበኣሰ ምምጽኡ ዘሻቐሎም ብዙሓት ወጻእተኛታት፣ ካብታ ሃገር ንምውጻእ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣዕለቕሊቖም ከምዘለዉ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝበጽሓና ሓበሬታ የረጋግጽ።

ካቢነ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ፣ ሎሚ ሰሉስ 2 ሕዳር ናይ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ ኣሎ።

ስእሊ፡ ቦሌ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ (ኣርካይቭስ ኢንተርነት)

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0