ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ዜጋታቶም ተዋፊሮም ምህላዎም ተገሊጹ

ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ኤርትራውያን ብዝልዓለ ከምዝነጥፉ ኣብ ሽወደንን ሆላንድን ዝተኻየደ መጽናዕታት ብምጥቃስ ዘ ጋርድያን ሓቢሩ።

ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ፣ ዶባት ንዝሰግሩ ሰባት ጅሆ ብምሓዝ ገንዘብ እንተዘይከፊሎም ናብ ቤዳዊን ራሻይዳ ክሸጥዎም ምዃኖም ብምፍርራሕ ኣሽሓት ዶላራት ከምዘኻዕብቱ’ውን እቲ ጸብጻብ ይጠቕስ።

 

እቲ ብኣዳላዊት መደባት ደሃይ ስደተኛታት ኣብ ሬድዮ ኤረናን ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላትን ሜሮን እስቲፋኖስ፣ ፕሮፌስሰር ሚርያም ቫን ረይሰንን ዶክተር ኮኒ ሪከንን ዝተዳለወ መጽናዕቲ ብዘይካ’ዚ፣ ካብ 2007 ክሳብ 2012 ኣብ ዝነበረ ሓሙሽተ ዓመታት ኣስታት 30 ሽሕ ሰባት ግዳያት እዚ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ከምዝኾኑ ኣገንዚቡ።

211 ቆልዑ’ውን ካብቲ ኣብ ሱዳን ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ተጨውዮም ከምእተሸጡ እቲ መጽናዕቲ ይሕብር።

ኣብ ልዕሊ ግዳያት’ዚ መሸጣን ምስግጋርን ዝኾኑ 230 ሰባት ብዝተኻየደ መጽናዕቲ ብተወሳኺ፣ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ብምስግጋርን መሸጣን ደቂ ሰብ፣ ደላሎን ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲን ኣስታት 600 ሚልዮን ዶላር ገንዘብ ከምዝጓረቱ የመልክት።

========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0