ኣውፈርቲ ቱርኪ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ናይ ልዕሊ 750  ሚልዮን ኤውሮ ኢንዱስትርያዊ ፓርክ ክሃንጹ’ዮም

ኣውፈርቲ ቱርኪ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ናይ ልዕሊ 750 ሚልዮን ኤውሮ ኢንዱስትርያዊ ፓርክ ክሃንጹ’ዮም

Radio Erena: 01 November 2018

tigray indu_parkኣውፈርቲ ቱርኪ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ናይ 750 ሚልዮን ኤውሮ ኢንዱስትርያዊ ፓርክ ክሃንጹ ምዃኖም ምስ መንግስቲ ቅርበት ዘለወን ማዕከናት ዜና ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢረን።

እቲ ኣብ 500 ሄክታር ዝህነጽ ኢንዱስትርያዊ ፓርክ፣ ብዘመናዊ ኣገባብ ከምዝህነጽ ዝሓበረ ማዕከን ዜና ፋና ድማ፣ እቲ ስራሕ ንምጅማሩ ሰበ ስልጣን ክልል ትግራይን ቱርካውያን ኣውፈርትን ምስ ነበርቲ እቲ ፓርክ ዝህነጸሉ ከባቢታትን ከምዝተረዳድኡ ኣፍሊጡ።

ምህናጽ ኢንዱስትርያዊ ፓርክ ትግራይ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2019 ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ክዛዘም ትጽቢት ይግበረሉ።

እቲ ናብ ከተማ መቐለ ቅርበት ከምዝህልዎ ዝተገልጸ ኢንዱስትርያዊ ፓርክ፣ ንኣሽሓት ሰባት ናይ ስራሕ ዕድላት ክፈጥር’ዩ።

ቅልጡፍ ቁጠባዊ ዕብየት የርእያ ካብ ዘለዋ ኣብ ምምዕባል ካብ ዝርከባ ሃገራት ዓለም ሓንቲ ምዃና እትግለጽ ኢትዮጵያ፣ ኣቐዲማ’ውን ኣብ ሃዋሳን ካልእ ከባቢታትን፣ ዝሃነጸቶ ግዙፍ ኢንዱስትራያዊ ፓርክታት፣ ኣብ ንጥፈት ይርከብ።

ቱርኪ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ ሱዳን እተካይዶ ዘላ ናይ ቢልዮናት ዶላራት ወፍርታት፣ እዚ ናይ ኢትዮጵያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዕብየቱ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ከምዝስራዕ ይግለጽ።

==================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0