ኣንጻር ሪክ ማቻር ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ እንዳዓበየ ይመጽእ ኣሎ

Radio Erena: 16 August 2021

ኣንጻር ምኽትል ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሪክ ማቻር ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ እንዳዓበየ ይመጽእ ከምዘሎ፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።
እዚ ካብ ኣባላት’ቲ ማቻር ዝመርሖ ሰልፊ SPLM-IO ዝቐርብ ዘሎ ተቓውሞታት፣ ምኽትሉ ሄንሪ ኦድዋር መዝነቱ ብኢደ ዋኒኑ ድሕሪ ምሕዳጉ ገኒኑ ይረአ ከምዘሎ ይግለጽ።
ሄንሪ ኦድዋር ከም ሚኒስተር ማዕድን ኮይኑ ኣብ ጽፍሒ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ከገልግል ዝጸንሐ ኮይኑ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ስልጣኑ ድሕሪ ምሕዳጉ፣ ምስቲ ኣብ SPLM-IO ጉጅለ ፈጢሩ ዘሎ ተቓውሞ ከምዝተጸምበረ ኣፍሊጡ’ሎ።
ሪክ ማቻር፣ ንሰልፊ SPLM-IO ክመርሕ ብቕዓት የብሉን ዝብል ወቐሳታት ብተደጋጋሚ ክስማዕ ጸኒሑ’ዩ።
እዞም ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ’ቲ ሰልፊ ዝርከቡ ፍሉይ ጉጅለ ፈጢሮም ዘለዉ፣ ሓለፍቲ፣ ሪክ ማቻር ብብልሽውና፣ ቤተ ሰቡ ናብ ስልጣን ብምምጻእን ካልእን እዮም ዝኸሱዎ።
ነዚ ተቓውሞ ዝመርሕ ዘሎ ጀነራል ሲሞን ጋትወክ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ እቲ ጉጅለ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣብ ዕለት 3 ነሓሰ ድሕሪ ዘካየዶ ናይ ስምምዕ ኣኼባ፣ ንሪክ ማቻር ከም ወግዓዊ መራሒ ናይ SPLM-IO ከምዘይፈልጦ ገሊጹ።
ኣብ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ስደት ዝርከቡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ደቡብ ሱዳናውያን፣ ሪክ ማቻር ምስ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ኣብ ዘካየዶ ስምምዓት፣ ንረብሓ ደቡብ ሱዳናውያን ዘይወከለ እዩ፣ ስለዚ ነዞም ኣብያ ዘርእዩ ዘለዎ ሰበስልጣን ደገፍና ንገልጽ ክብሉ ብናይ ኢንተርነት መራኸቢታት ኣብ ዘካዪዱዎ ዘለዉ ኣኼባታት ገሊጾም።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0