ኣቦ መንበር ኮሚተ ባይቶ ጸጥታ እገዳ ኤርትራን ሶማልን ናብ ኤርትራ ክበጽሕ ተኽእሎ ከምዘሎ ሓቢሩ

ኣቦ መንበር ኮሚተ ባይቶ ጸጥታ እገዳ ኤርትራን ሶማልን ናብ ኤርትራ ክበጽሕ ተኽእሎ ከምዘሎ ሓቢሩ

Radio Erena: 18 April 2017

Umarov

መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኣልሸባብ ናይ ሶማል ርክብ ከምዘለዎ ዘረጋግጽ መርትዖ ከምዘይተረኽበ ኣቦ መንበር ኮሚተ ባይቶ ጸጥታ እገዳ ኤርትራን ሶማልን ካይራት ኡማሮቭ ሓቢሩ።

እዚ ዝተሓበረ፣ ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ኤርትራን ሶማልያን፣ ብዛዕባ እዋናዊ ኩነታት ኤርትራን ሶማልያን ዝምልከት እዋናዊ ጸብጻብ ብ13 ሚያዝያ ናብ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ዘቕረበሉ እዋን’ዩ።

ካዛኪስታናዊ ዲፕሎማሰኛ ካይራት ኡማሮቭ ንናይ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ጸብጻብ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ሕቡራት ሃገራት ብምጥቃስ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ኤርትራን ኣልሸባብን ዘተኣሳስር መርትዖ ከምዘይተረኽበ ድሕሪ ምግላጽ፣ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ክፍጽም ከምዝደሊ’ውን ኣፍሊጡ።

ወከልቲ ሓያሎ ሃገራት፣ እቲ ኣቦ መንበር ኮሚተ ናብ ኤርትራ ክበጽሕ ዘቕረቦ ሓሳብ ክድግፋ እንከለዋ፣ ኣመሪካን ብሪጣንያን ዝርከብአን ካልኦት ሃገራት ድማ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ይኹን ኮሚተ እገዳ ከይተሓባበር ምሕንጋዱ፣ ነቲ መስርሕ ይሓላልኾ ከምዘሎ ኣገንዚበን።

ወከልቲ ኢትዮጵያን ጅቡትን ብወገኖም፣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዘለዎም ስግኣታት ክዝርዝሩ እንከለዉ፣ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ፣ ኢትዮጵያ ካብ ሉኣላዊ መሬት ኤርትራ ሰራዊታ ክትስሕብ፣ ባይቶ ጸጥታ ከገድዳ ጸዊዑ።

ተቖጻጻሪ ጉጅለ ሕቡራት ሃገራት፣ ተታሒዙ ዘሎ 25 ሽሕ ጠበናጁ ካበይ ከምዝመጸን ናበይ የቕንዕ ከምዝነበረን ከምዘጻረየቶ ዝሓበረ ኣቦ መንበር ኮሚተ ባይቶ ጸጥታ እገዳ ኤርትራን ሶማልን፣ ኣብቲ ዞባ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ክዋፈር ከምዘድሊ ኣገንዚቡ።

=======================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0