ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራን ጅቡትን ብዝምልከት ምስ ቀዋሚ ወኪል ኤርትራ ኣብቲ ሕብረት ዘትዩ

ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራን ጅቡትን ብዝምልከት ምስ ቀዋሚ ወኪል ኤርትራ ኣብቲ ሕብረት ዘትዩ

Radio Erena: 29 June 2017

AU

ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ መሓመድ ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራን ጅቡትን ብዝምልከት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝርከብ ቀዋሚ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ ሕብረት ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ ዘትዩ።

ኣቦ መንበር እቲ ኮሚሽን ሙሳ ፋኪን ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታን ብ27 ሰነ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝተዘራረብሉ፣ ብዛዕባ’ቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝቐረበ ናብቲ ንኤርትራን ጅቡትን ዘሰሓሕብ ዘሎ ከባቢታት ዝተላእከ ተዓዛቢ ጉጅለ ብዝምልከት ዘትዮም።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻድ ነበር ሙሳ ፋኪ መሓመድ፣ ኣቐዲሙ’ውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከብ ቀዋሚ ወኪል መንግስቲ ጅቡቲ ኣብቲ ሕብረት ከምዘዘራረቦ ዝዝከር’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ኮሚሽነር ጸጥታን ሰላምን ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ስማዒል ሸርግዊ፣ ንክልተ ኣባላት ቀዋሚ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ ሕብረት፣ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ብምዕዳም ኣብ ተመሳሳሊ ጉዳይ ከምዘዘራረቦም ምቅልሑ ይዝከር።

ቀጠር፣ ንኤርትራን ጅቡትን ዘሰሓሕብ ከባቢታት ንኣስታት ሸውዓተ ዓመታት ኣዋፊራቶ ዝጸንሐት 450 ዝምብዝሑ ተዓዛቢ ሰራዊት ድሕሪ ምስሓባ፣ እቲ ከባቢታት ብሰራዊት ኤርትራ ተታሒዙ ክብል መንግስቲ ጅቡቲ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃን ባይቶ ጸጥታን ጥርዓን ከምዘቕረበ ኣይርሳዕን።

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ክልቲኤን ሃገራት ካብ ተጻብኦታት ክቑጠባ ብምጽዋዕ ናብቲ ቦታ ተዓዛቢ ጉጅለ ክልእኽ ምዃኑ ዘቕረቦ እማመ ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ምሉእ ደገፍ ምርካቡ’ውን ይዝከር።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0