ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ባይቶ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ኣብ ጁባን ካምፓላን ምብጻሕ ኣካይዱ

Radio Erena: 05 March 2021

ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ባይቶ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ኣብ ጁባን ካምፓላን ምብጻሕ ኣካይዱ

ጀነራል ዓብደልፈታሕ፣ ብረቡዕ 03 መጋቢት ናብ ኡጋንዳ ዑደት ብምክያድ ምስ ፕረዚደንት ሙሴቬኒ ድሕሪ ምዝርራብ’ዩ ናብ ጁባ ኣመሪሑ።

ንሱ ኣብቲ ምስ ፕረዚደንታት ኡጋንዳን ደቡብ ሱዳንን ዘካየዶ ዘተ፣ ምስ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ብዛዕባ ዘሎ ዶባዊ ምስሕሓብን ሃገሩ ኣብ ጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይል ሒዛቶ ዘላ ፖሊስታትን ብዝምልከት ከምዝተመያየጠ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ደቡብ ሱዳን፣ ብዛዕባ’ቲ ንሱዳንን ኢትዮጵያን ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳይ ብዝምልከት ንመራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ንምቕርራብ ዝወሰደቶ ተበግሶ፣ ኢትዮጵያ ብዘቕረበቶ ቅድመ ኩነት ክዕወት ከምዘይክኣለ’ዩ ዝንገረሉ።

ፕረዚደንት ኤርትራ፣ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዘቕረቦ ናይ ሽምግልና ተበግሶ’ውን ብወገን ሱዳን ተቐባልነት ኣይረኸበን።

ኣብዚ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ግጭት፣ ጸግዒ ሱዳን ምሓዙ ዝንገረሉ ፕረዚደንት ግብጺ፣ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ’ውን ኣብ ተመሳሳሊ ጉዳይ ንምዝታይ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ናብ ካርቱም ምብጻሕ ከካይድ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ሱዳን፣ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ንዝርከብ ‘ግዝኣተይ’ ንዝበለቶ ናይ መወዳእታ ቦታ ንምቁጽጻር መጥቃዕቲ ትቕጽል ምህላዋ’ዩ ዝግለጽ።

መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ሎሚ 05 መጋቢት ናብ ጁባ ከምዝኣተዉ፣ ብመርበባት ዜና ግብጺ ዝተፈነወ ሓበሬታ ዛጊት ክረጋገጽ ኣይከኣለን።

ራድዮ ኤረና፣ ብዛዕባ ምብጻሕ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ጁባ ኣመልኪታ ንዝቐረበቶ ዜና፣ ይቕሬታ ብምሕታት መአረምታ ጌራትሉ ኣላ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0