ኣብ ፓሪስ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝተኻየደ ሽበራዊ ቅትለት፣ ጥሩፋት ጉጅለታት ኣብ ልዕሊ ናጻ ፕረስ ዘለዎም ዘይተጻዋርነት ዘጉልሐ ምዃኑ ተገሊጹ

ኣብ ፓሪስ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝተኻየደ ሽበራዊ ቅትለት፣ ጥሩፋት ጉጅለታት ኣብ ልዕሊ ናጻ ፕረስ ዘለዎም ዘይተጻዋርነት ዘጉልሐ ምዃኑ ተገሊጹ

Radio Erena: 09 January 2015

Je suis

ኣብ ፓሪስ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታትን ካርቱኒስትን ናይታ ብ’ሻርሊ ኤብዶ’ እትፍለጥ መጽሔት ዝተፈጸመ ሽበራዊ ቅትለት፣ ጥሩፋት ጉጅለታት ኣብ ልዕሊ ናጻ ፕረስ ንዘለዎም ዘይተጻዋርነት ዘጉልሕ ምዃኑ ማሕበረ ሰብ ሜድያ ፈረንሳ ገሊጾም።

ኣብ ፓሪስ ዝርከቡ ናይ ልዕሊ 100 ዝኾና ጋዜጣታት፣ ሬድዮ’ ቴሌቪዥንን ማሕበራት ፕረስን ትማሊ ኣብ ከባቢ’ቲ መጥቓዕቲ ዝተኻየደሉ ሪፖብሊክ ዝተባህለ ቦታ ብምትእኽኻብ፣ ሽበራውያን ኣብ ልዕሊ’ቶም ጋዜጠኛታት ዝፈጸምዎ ቅትለት፣ ንናጽነት ፕረስ ፈረንሳን ተወፋይነት ጋዜጠኛታትን መሊሱ ዘሐይል ደኣ’ምበር ዝድህል ከምዘይኮነ ኣረጋጊጾም።

 

ኣብቲ je suis Charlie ማለት ‘ኣነ ሻርሊ’የ’ ዝብል ጭርሖን ብምልዓል እርሳስን መደምሰስን ብምሓዝን ዝተኻየደ ልዕሊ 35 ሽሕ ህዝቢ ዝተሳተፎ ናይ ሪፖብሊክ ምትእኽኻብ፣ ናጻ ፕረስ ንሓደ ሕብረተሰብ መስትያቱን ካብ ዓመጽቲ ከኣ መከላኸሊኡን ምዃኑን ዝገልጹ ሓያሎ ጭርሖታት’ውን ተላዒሎም’ዮም።

ኣብ ልዕሊ 30 ዓበይትን ንኣሽቱን ከተማታት ፈረንሳውን ተመሳሳሊ ሰልፊ ተኻይዱ ኣሎ።

ፕረዚደንት እታ ሃገር፣ እቲ መጥቃዕቲ ልሳን ጋዜጠኛታት ንምዕባስን ናይ ናጻ ፕረስ ዘሎና ሓርነት ንምቕታልን ጥራይ ዘይኮነ፣ ልኡላውነት ፈረንሳ ዝደፍር ስለዝኾነ’ውን፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም ነቲ ሽበራ ዘካየዱን ዘወሃሃዱን ተሓባበርቶንም ተሪር ግብረ ስጉምቲ ክውሰድ ምዃኑ ንህዝቢ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ኣፍሊጡ።

ሻርሊ ኤብዶ፣ ብህቡባት ናይ ካርቱን ኣሳእል ብዘዳልዉ ጋዜጠኛታት እትዳሎ፣ ንፖለቲካ፣ ሃይማኖት፣ ቁጠባን ካልእ ጉዳያትን ብመልክዕ ካርቱን ነቐፌታ እተቐርብ ሓያል ጽልዋ ዘለዋ መጽሔት’ያ።

እዛ ነዊሕ ታሪኽ ዘለዋ መጽሔት፣ ፖለቲከኛታት፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዋላ’ውን ንምስሊ ክርስቶስን መሓመድን ብዝተጋነነ መልክዕ እናቐረበት ንነቐፌታን ርእቶን እትዕድም ኮይና፣ ኣብ 2011 ንምስሊ ነቢ መሓመድ ምስ ነቐፌታ ሽበራውያን ኣሰንያ ምቕራባ፣ ንኽትዕጾ ካብ ሓያሎ ኣመንቲ ምስልምና ተቓውሞ ገጢሙዋ ኔሩ’ዩ።

je suis Charlie

ይኹን’ምበር መንግስትን ህዝብን ፈረንሳ ኣብ ናጽ ፕረስ ብዘለዎም እምነት፣ እታ ብህቡባት ካርቱኒስት እትዳሎ መጽሔት ካብቲ ቅድሚ ዝነበራ ዓቕሚ ብዝልዓለ ናህራ ክትቕጽል ክኢላ’ያ።

ኣብቲ እዋን’ቲ’ውን ብስም እስልምና ዝተኣኻኸቡ ጥሩፋት ጉጅለታት ንቤት ጽሕፈት ናይታ መጽሔት ከምዘቃጸሉ ዝዝክር ኮይኑ፣ ኣብ ንብረት ከፊላዊ ጉድኣት ኣውሪዶሙላ’ዮም።

ኣብ ፈረንሳ ዝርከቡ ኣመንቲ ምስልምና ብሰንኪ ቁጠባን ፖለቲካን ኣብዚ ዝሓለፈ ሚእቲ ዓመታት ተሰዲዶም ዝመጹ ኮይኖን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ፈረንሳ እታ ዝበዝሑ ኣመንቲ ምስልምና ዘለዋ ኣባል ሕብረት ኤውሮጳ’ያ።

ካብ ልዕሊ 65 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ፈረንሳ እቶም ኣስታት 20 ሚልዮን ብስደት ናብታ ሃገር ዝኣተዉን ኣብ ፈረንሳ ዝተወልዱ ካልእ ሃገር ዝመበቆሎምን ኮይኖም፣ ኣስታት 5 ሚልዮን ካብዚኣቶም ከኣ ኣመንቲ ምስልምና’ዮም።

እዚ ብሽበራውያን ጉጅለታት ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ተፈጺሙ ዘሎ ቅትለት፣ ነቶም ኣንጻር ስደተኛታት ተሪር መርገጺ ዘለዎም የማናውያን ዓቃባውያን ሰልፍታት ኣሉታዊ ጎስጓስን ተቓወሞን ኸካይዱ ዝደፋፍእ’ዩ።

ነዚ ኣብ ፈርንሳ ከተማ ፓሪስ ብክልተ ካላሽን ዝዓጠቑ ሽበራውያን ዝተፈጸመ ቅትለት ጋዜጠኛታት ንምኹናን፣ ሓያሎ ሃገራት ዓለም ናብ መንግስትን ህዝብን ፈረንሳ ናይ ደገፍ መልእኽታት የውሕዙ ኣለዉ።

ኣብ ፓሪስ ዝመደበራ ሬድዮ ኤረና’ውን ኣንጻር ናጻ ፕረስ ንዝውሰድ ዝኽዕነ ዓይነት ስጉምቲ ኣትሪራ ብምቅዋም፣ ነዚ እዚም ሽበራውያን ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ወሲዶሞ ዘለዎ ናይ ቅትለት ስጉምቲ ትኹንን።

========================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0