ኣብ ፑንትላንድ ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ 65 ዕጡቓት ኣልሸባብ ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ

ኣብ ፑንትላንድ ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ 65 ዕጡቓት ኣልሸባብ ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ

Radio Erena: 24 March 2016

Pun

ሽበራዊ ጉጅለ ኣልሸባብ፣ ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ መጥቃዕቲ ከምዘካየደ ተሓቢሩ።

እቲ ጉጅለ፣ ኣብ ገማግም ባህሪ ፑንትላንድ ናብ ዝርከባ፣ ጋርማልን ሱጂን ዝተብህላ ክልተ ቁሸታት ድሕሪ ምእታዉ፣ ሓይልታት ጸጥታ ፑንትላንድ ብሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል እናተሓገዙ ድሕሪ ክልተ መዓልታት ካብቲ ከባቢ ከርሕቕዎ ከምዝኽኣሉ ይገልጹ።

ኣብቲ ብሓይልታት ጸጥታ ሶማሊላንድን ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልን ዝተኻየደ ጸረ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 65 ዕጡቓት ኣልሸባብ ክቕተሉ እንከለዉ፣ ትሕቲ ዕድመ ዝርከብዎም 35 ከኣ ከምዝተማረኹ ጀነራል ሙሒዲን ኣሕመድ ሙሳ ንማዕከናት ዜና ጠቒሱ።

 

ኣብ ልዕሊ ወገኖም ዝወረደ ክሳራ ግና ኣይሓበረን።

ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ምስ ሰራዊት መንግስቲ ሶማል ብምዃን፣ ንኣልሸባብ ካብ ዝበዝሐ ከባቢታት ሞቛድሾ ከርሕቕዎ እኳ እንተኸኣሉ፣ እቲ ሽበራዊ ጉጅለ ጸጥታ ናብ ዝወሓደን ቁሸታት እናተንቀሳቐሰ መጥቃዕታቱ ይቕጽል ምህላዉ ይፍለጥ።

ኣልሸባብ፣ ከቢድ ወትሃደራዊ ክሳራታት ወሪድዎ ካብ ደጀኑ ክነቓነቕ እኳ እንተኸኣለ፣ መሓውራቱ ክስበር ብዘይምኽኣሉ ግና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ጸጥታዊ ስግኣት ካብ ምዃን ኣየዕረፍን።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0