ኣብ ግብሪ ዘይውዓለ ኣህጉራዊ ብይን ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን መበል 15 ዓመቱ የቑጽር

Radio Erena: 12 April 2017

Issu Meles

ብሰንኪ ኣብያ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዛጊት ኣብ ግብሪ ዘይውዓለ ናይ መወዳእታን ቀያድን ኣህጉራዊ ብይን ኮሚሽን ዶብ መበል 15 ዓመቱ ኣቝጺሩ።

መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ብዶብ ኣሳቢቦም ኣብ 1998 ዝወልዕዎ ኵናት፣ ልዕሊ 100 ሽሕ መንእሰያት ድሕሪ ምህላቑን ሚልዮናት ከኣ ካብ መነባብርኦም ድሕሪ ምምዝባሉ፣ ኣብ ታሕሳስ 2000 ዓ.ም ኣብ ኣልጀርስ ስምምዕ ሰላም ከምዝኸተሙ ይዝከር።

ብመሰረት እቲ ክልቲኦም መንግስታት ዝኸተምዎ ስምምዕ ኣልጀርስ ከኣ፣ ዘሰሓሕቦም ዶባት ናብ ኣህጉራዊ ኮሚሽን ዶብ ድሕሪ ምቕራቡ፣ እቲ ኮሚሽን ኣብ 13 ሚያዝያ 2002 ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ምሃቡ ኣይርሳዕን።

ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ዝሃቦ ብይን፣ ኣውራ ካብ ዘሰሓሓበ ባድመን ከባቢኡን ናይ ኤርትራ ምዃኑ ከምዝወሰነ ይፍለጥ።

ይኹን’ምበር መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ብኣህጉራዊ ኮሚሽን ዶብ ዝተዋህበ ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን፣ ተወሳኺ ቅድመ ኩነት ብምቕራብ ባድመን ካልእ ከባቢታትን ቅድሚ ምርካቡ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ቀጥታዊ ዝርርብ ከካይድ ከምዝደሊ ብምሕባር፣ ውሳኔ ናይቲ ኮሚሽን ኣብ ባይታ ንኸይትግበር ዕንቅፋት ኮይኑ ይርከብ።

መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ፣ ኣብ 13 ሚያዝያ ብኮሚሽን ዶብ ዝተዋህበ ብይን ናይ መወዳእታን ቀያድን ብምዃኑ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብቲ ሒዝዎ ዘሎ ባድመ ዝርከቦ ከባቢታት ከይስሓበ ዝኾነ ዝርርብ ከምዘይገብር ነዚ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ክገልጽ ጸኒሑ’ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ካብቲ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ምዃኑ ብኣህጉራዊ ኮሚሽን ዶብ ዝተወሰነ ከባቢታት ከይስሕብ 5 ነጥብታት ዝሓቖፈ ናይ ዘተ ቅድመ ኩናት ብምቕራቡ፣ እዘን ክልተ ሃገራት ነዚ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ኣብ ኣይሰላም ኣይኵናት ሃዋሁ ከምዝሽመማ ጌርወን ኣሎ።

መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ነዚ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብያ ንትግባረ ብይን ኮሚሽን ዶብ ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ እናተጠቕመ፣ ዴሞክራስያዊ ምርጫ ከየካይድን ነዚ ሕቶ’ዚ ንዘልዓሉ ሰበ ስልጣን ነበርን ጋዜጠኛታትን ሃለዋቶም ኣጥፊኡ።

ብዘይካ’ዚ’ውን እቲ መንግስቲ ነዚ ዝሓለፈ 15 ዓመታት፣ ወያነ መሬትና ጎቢጡ እንከሎ ብዝብል ምስምስ፣ ንመንእሰያት ናይ ግዜ ገደብ ኣብ ዘይብሉ ዕስክርና ከምዝጽመዱ ጌሩ።

እቲ መንግስቲ ኣብዚ 15 ዓመታት ኣብ ዘቤታዊ ይኹን ጉዳያት ወጻኢ ጽገናታት ክገብር ብዘይምኽኣሉ’ውን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታቱ ክርሕርሕዎን ኣህጉራዊ ተነጽሎ ከጋጥሞን ይርአ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0