ኣብ ጉዳይ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝዝቲ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት’ቲ ዞባ ኣብ ኡጋንዳ ክካየድ’ዩ

Radio Erena: 02 February 2022

ኡጋንዳ፣ ኣብ ጉዳይ ‘ቲ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘሎ ኩነታት ዝዝቲ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት እቲ ዞባ ንምእንጋድ ተዳልያ ከምዘላ ኣፍሊጣ።

ፕረዚደንት እታ ሃገር፣ ዩዌሪ ሙሴቬኒ፣ እቲ ዋዕላ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ መጋቢት ክካየድ ምምዳቡ መርበባት ዜና ካብ ካምፓላ ኣረጋጊጸን።

ኣቦ መንበር ኢጋድ፣ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ፕረዚደንት ሙሴቬኒ ኣብ ኢንተበ ኣብ ዝርከብ ቤተ መንግስቲ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፣ ብዛዕባ ‘ቲ ዋዕላ ብዝምልከት ቅድሚ ምይይጥ ምክያዶም እተን መርበባት ጠቒሰን።

እቲ ዋዕላ፣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ክካየድ ምዃኑ ድማ ተሓቢሩ።

ካብ ኣባልነት ናይቲ ማእከላይ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ጂቡቲ ዝርከብ ኢጋድ ስሒባ ዝነበረት ኤርትራ ድሒራ ድማ ከምዝተመልሰት እኳ እንተተገልጸ፣ ብንጥፈት ክትዋሳእ ግና ኣይትረአን’ያ።

ብዘይካ ኤርትራ ድማ ሸውዓተ ኣባላት እቲ ዞባዊ ውድብ ማለት፣- ጂቡቲ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ሶማል፣ ኬንያ፣ ኡጋንዳ፣ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት እቲ ዞባ ይሳተፋ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0