ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ኣስታት 239 ሰባት ጥሒሎም

Radio Erena: 03 November 2016

Libya Coast

ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ኣስታት 239 ስደተኛታት ጥሒሎም ከምዝሞቱ ኣፈኛ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

እቶም ሎሚ 03 ሕዳር ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝጠሓሉ ስደተኛታት መብዛሕቶም ዜጋታት ሃገራት ምዕባር ኣፍሪቃ ምዃኖም እቲ ኣፈኛ ገሊጹ።

እታ 20 ደቂንስትዮን ሽዱሽተ ቆልዑን ዝርከብዎም ኣማኢት ሰባት ዝነበሩዋ ካብ ጎማ ዝተሰርሐ ጃልባ፣ ሰዓት ሰለስተ ወጋሕታ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ድሕሪ ምብጋሳ’ያ ጥሒላ።

27 ሰባት ብህይወት ክድሕኑ እንከለዉ፣ ዛጊት ናይ ሰለስተ ቆልዑ ዝርከብዎም 12 ሬሳ ተረኺቡ ኣሎ።

ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ኣብ ዝተበገሰት ካልእ ናይ ጎማ ጃልባ’ውን ብዘጋጠማ ናይ ምጥሓል ሓደጋ፣ ኣብኣ ካብ ዝነበሩ 130 ሰባት ክልተ ደቂንስትዮ ጥራይ ከምዝደሓና መግለጺ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

ኣብዚ 11 ኣዋርሕ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 4220 ሰባት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝጠሓሉ ጸብጻብ እቲ ትካል ይጠቕስ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0