ኣብ ገማግም ባህሪ ሶማል፣ ንብረት ህንዲ ዝኾነት ንግዳዊት መርከብ ተጨውያ

Radio Erena: 05 April 2017

Indian Ship

ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማል፣ ምጭዋይ መራኽብ ዳግም ኣብ ዝርኣየሉ ዘሎ እዋን፣ መንነቶም ዘይተነጸሩ ዕጡቃት፣ ዋንነት ህንዲ ንዝኾነት ናይ ንግዲ መርከብ ከምዝሓዙ ተገሊጹ።

እታ መርከብ ካብ ዱባይ ናብ ወደብ ቦሳሶ ናይ ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ ኣብ እትመርሓሉ ዝነበረት እዋን’ያ ብሰኑይ 3 ሚያዝያ ተታሒዛ።

እታ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማል ብዕጡቓት ተጨውያ ዘላ መርከብ 11 ሰራሕተኛታት ከምዝነበሩዋ መንግስቲ ህንዲ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ’ውን፣ ናብ ሞቛድሾ እትመርሕ ዝነበረት ነዳዲ ዝጸዓነት መርከብ፣ ዕጡቓት ሶማል ንኣሽቱ ጀላቡ ተጠቒሞም ጅሆ ሒዞማ እኳ እንተነብሩ፣ ብኡ ንብኡ ከምዝለቐቕዋ ይፍለጥ።

 ምጭዋይ መራኽብ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማል ካብ 2012 ንደሓር ኣቛሪጹ’ዩ ጸኒሑ።

ኣብ 2011 ጥራይ ኣብ ልዕሊ 237 መራኽብ ናይ ምጭዋይን መጥቃዕታት ስርሒታት ከምዝተኻየደ ጸብጻባት የመልክቱ።

ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማል ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ገሊኦም ንክሊ ባሕሪ ሶማል ካብ ምጉሓፍ ሓደገኛ ባእታታትን ዘይሕጋዊ ምግፋፍ ዓሳን ንምክልኻል ዝዓለመ መጥቃዕታት ከምዝፈጸሙ ክገልጹ እንከለዉ፣ ገሊኦም ንዝጨወዩወን መራኽብ ንኽለቑ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላር’ዮም ዝሓቱ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0