ኣብ ጅቡቲ ዝርከቡ ምሩዅት ኵናት ኤርትራ፣ ቆላሕታ ንምርካብ ሓገዝ ይሓቱ

ኣብ ጅቡቲ ዝርከቡ ምሩዅት ኵናት ኤርትራ፣ ቆላሕታ ንምርካብ ሓገዝ ይሓቱ

Radio Erena: 27 June 2016

POW

ኣብ ጅቡቲ ዝርከቡ 19 ምሩዅት ኵናት ኤርትራ ካብ ዝኾነ ወገን ቆላሕታ ክረኽቡ ብዘይምኽእሎም ኣብ ከቢድ ሻቖልት ምህላዎም ሓቢሮም።

ንሳቶም ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃብዎ ቃል፣ ካብ ዝተማረኹላ ዕለት ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ሸሞንተ ዓመታት ብዛዕባ ውሕስነት ህወይቶም ብስሩዕ ዝከታተል ኣካል ብዘይምህላው፣ ኣደዳ ሕማምን ጭንቐት ኮይኖም ምህላዎም’ውን ገሊጾም።

2 ካብኣቶም ርእሰ ቅትለት ንምፍጻም ፈቲኖም ብብጾቶም ክድሕኑ እንከለዉ፣ 3 ከኣ ናይ ኣእምሮ ሕማም ጌሮም ምህላዎም’ዮም ጠቒሶም።

 

ሓደ ካብቶም ምሩዃት’ውን ብዝነበሮ ከቢድ መውጋእቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ነገድ እንከሎ ከምዝሞተ ይዝከር።

ምሩኻት ኵናት ጅቡቲ ንኽልቀቑ ቀጠርን ኣህጉራዊ ማሕበር ሰብን ሓያል ጻዕርታት ክገብረሎም እንከሎ፣ በንጻሩ እቶም ብገዛእ መንግስቶም’ውን ከይተረፈ ዝተጠልሙ ምሩዃት ኵናት ኤርትራ ግና ደሃዮም ዝግበር’ውን ከምዘየለ’ዮም ኣመልኪቶም።

ምሩኳት ኵናት ጅቡቲ ሒዙ ከምዘለዎ’ውን ካብ ምሕባር ሓንጊዱ ዝጸንሐ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ብዝገበረሉ ጸቕጢ፣ ነቶም ኣርባዕተ ብመንጎኝነት ቀጠር ከምዝፈነዎም ይዝከር።

እንተኾነ ጅቡቲ ገና 13 ምሩኻታ ኣብ ኤርትራ ሃለዋቶም ጠፊኡ ከምዘሎ፣ ብመንገዲ ኣብ ጄኔቫ ዝርከብ ወኪላ ደጊማ ገሊጻ ኣላ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0