ኣብ ጁባ ዝተላዕለ ኩነታት ናብ ንቡር ድሕሪ ምምላሱ፣ ኣብ ካልእ ከተማ እታ ሃገር ሓድሽ ግጭት ተጎሃሂሩ

Radio Erena: December 20, 2013

 

ዕጡቓት ደገፍቲ ናይቲ ዕልዋ ፈቲኑ ዝተብሃለ ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ነበረ ሬክ ማሻር፣ ብኣገዳስነታ ድሕሪ ጁባ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ንእትስራዕ ከተማ ቦር ከምዝተቖጻጸሩ ተገሊጹ።

ከተማ ጁባ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቁጽጽሩ ምሉእ ጸጥታ ሰፊኑዋ ከምዘሎ ዝገለጸ መንግስቲ ሱዳን፣ ሰራዊቱ ነታ ካልኣይቲ ኣገዳሲት ከተማ ቦር ክቆጻጸራ ከምዘይክኣለ ኣፈኛ እቲ ሰራዊት ተኣሚኑ።

ካብ ዓሌት ኑዌር ዝኾኑ ደገፍቲ ሬክ ማሻር፣ ሕነ ናይቲ ኣብ ጁባ ዝወረዶም መጥቃዕቲ ክፈድዩ ምዃኖም ኣብ ዝገልጽሉ ዘለዉ እዋን፣ እታ ሓዳስ ሃገር ኣብ ኵናት ሓድሕድ ከይትሽመም ተሰጊኡ ኣሎ።

 

ብናይ ወጻኢ ኣውፈርትን ወነንቲ ትካላትን ኣዕለቕሊቓ እትርከብ ጁባ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ንቡር ንጥፈታታ ተእንግድ እኳ እንተላ፣ ንከተማ ቦር ተቖጻጺሮም ዘለዉ ደገፍቲ ማሻር ዳግም ግጭት ከይውልዑ ካብ ምስጋእ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሓያሎ ወጻእተኛታት ናብ ኡጋንዳ ይሰግሩ ኣለዉ።

በዚ ኣብ ጁባ ተኸሲቱ ዘሎ ኵነታት ኣብ ሻቕሎት ዝርከባ ኤምባሲታት ሃገራት ምዕራብ’ውን፣ ኣገልግሎት ኤምባሲታትን ንግዜኡ ደው ብምባል ኣባላተን የውጽኣ ምህላወን’ዩ ዝጠቐስ።

ኣመሪካ፣ ዜጋታታ ካብ ደቡብ ሱዳን ክወጹ ብምጥንቓቕ፣ ኣገልግሎት እቲ ኤምባሲ ድማ ንዘየተወሰነ እዋን ክዕጾ ምዃኑ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ

ድሕሪ’ቲ ኣብ ጁባ ዝተላዕለ ግጭት፣ ተሓቢኡ ዝርከብ ሬክ ማሻር፣ ምስ ኣልጀዚራ ኣብ ዝገበሮ ሓጺር ቃለ መጠይቕ፣ ዕልዋ ንምክያድ ከምዘይፈተነ’ዩ ዝጣበቕ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ሓያሎ ናይ ወጻኢ ዜጋታት ካብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝወጽሉ ዘለዉ እዋን፣ ሓንቲ ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት ኣብ መዓርፎ ነፍርቲ ጁባ ከምዝተሓምሸሸት ተሓቢሩ።

በቲ ኣብ ልዕሊ ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት ዘጋጠመ ሓደጋ ኣብ ሰብ ዝወረደ ከቢድ ጉድኣት እኳ እንተዘየለ፣ ነቲ መዓርፎ ነፈርቲ ካብ ንጥፈታቱ ኣሰናኺልዎ ከምዝወዓለ ተገሊጹ።
=========================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0