“ኣብ ጁባ ኣብ ሰዓታት ሕላፍ ዝተረኽበ ክቕተል’ዩ” ሚኒስተር ው.ጉ

“ኣብ ጁባ ኣብ ሰዓታት ሕላፍ ዝተረኽበ ክቕተል’ዩ” ሚኒስተር ው.ጉ

Radio Erena: 09 July, 2014

South Curfew

ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝተኣወጀ ሰዓታት እቶ እቶ ዝጠሓሰ ዝኾነ ሰብ ክቕትለ ምዃኑ መንግስቲ እታ ሃገር ኣጠንቒቑ።

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ነዚ መጠንቐቕታ ዘቕረብ፣ ምስ ተቓወምቲ ወገናት ኣብ ምምስራት ግዝያዊ መንግስትን ፈደራላዊ ምሕደራን ዘተኮረ ዝርርብ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ደቡብ ሱዳን ኣለዩ ኣይኒ ኣለዩ ብዛዕባ’ዚ መጠንቐቕታ ኣመልኪቱ ንማዕከናት ዜና ዓለም ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ድሕሪ’ዚ ዝተኣወጀ ሰዓታት እቶ እቶ ዝንቐሳቐስ ሰብ ክሰርቕ ወይ ድማ ክቐትል ስለዝኾነ፣ ኣብ ሕላፍ ሰዓት ዝተረኽበ ዘበለ ክቕተል ኣለዎ ክብል ኣስሚርሉ።

 

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ ጁባን ካልኦት ከተማታትን ኣቐዲሙ ዝኣወጆ ሰዓታት እቶ እቶ ካብ ሰዓት 11 ናይ ምሸት ክሳብ ሰዓት 6 ወጋሕታ እኳ እንተነበረ፣ ካብ ሰዓት 8 ናይ ምሸት ንምስግጋሩ መደብ ከምዘሎ’ዩ ዝንገር።

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ስምምዓ እንተተጣሒሱ፣ ኣብ ጁባ ናዕብን ዕግርግርን ክለዓል ይኽእል’ዩ ካብ ዝብል ስግኣት’ዩ ሰዓታት እቶ እቶ ካብ ሰዓት 8 ናይ ምሸት ክገብሮ ዝውጥን ዘሎ።
====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0