ኣብ ጁባ ተኸሲቱ ብዘሎ ኩነታት ሓደ ኤርትራዊ ተቐቲሉ

Radio Erena: – December 17, 2013

 

ኣብ ጁባ ካብ ትማሊ ወጋሕታ ኣትሒዙ ኣብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ድሕሪ ዘጋጠመ ከቢድ ናይ ቶኽሲ ምልውዋጥ፣ መንግስቲ ዕልዋ ፈተነ ከምዘፍሸለ ብምጥቃስ ሰዓታት እቶት እቶ ድሕሪ ምእዋጁ፣ ሓደ ኤርትራዊ ከምዝተቐትለ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

ዳርጋ ኩሎም ኤርትራውያን ኣብ ኣብያቶም ተሓቢኦም ከምዘለዉ ዝጠቐሰ እቲ ምንጪ፣ እቲ ኤርትራዊ፣ ካብ ጉምቦ ናብ ብሪጅ ዝተብሃለ ቦታ ኣብ ዝወስድ ከባቢ’ዩ ተቐቲሉ።

 

መብዛሕቶም እቶም ደገፍቲ ናይቲ ካብ ስልጣኑ ዝተሰጎን ዕልዋ ፈቲኑ ዝብሃል ዘሎ ምክትል ፕረዚደንት ነበረ ሬክ ማሻር ዝኾኑ ካብ ዓሌት ኑዌር፣ ካብቲ ኣብ ኦምፒክንን ካልእን ዝርከብ ከባቢታት ከተማ ጁባ ይሃድሙ ኣብ ዘለዉሉ እዋን፣ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ከቢድ ሻቖሎት ከምዘለዉ ገሊጾም።

ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ ሬድዮ ኤረና፣ ብዛዕባ’ዚ ኣብ ጁባ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት ተኸታቲልና፣ ዝርዝሩ ኣብ ናይ ጽባሕ ፈነወ ሬድዮ ኤረና ከነቓልሖ ምዃና ንሕብር።

=======================================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0