ኣብ ጀርመን መዓስከር ስደተኛታት ብዝተላዕለ ባርዕ ሓዊ፣ ብውሑዱ 19 ቆሲሎም

ኣብ ጀርመን ኣብ ሓደ ስደተኛታት ዝዕቆቡሉ መዓስከር ብዝተላዕለ ባርዕ ሓዊ፣ ብውሑዱ 19 ሰባት ከምዝቖሰሉ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

እቲ ኣብ ከባቢ መዓርፎ ነፈርቲ ከተማ ካስል ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት 120 ዝኾኑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩሉ ምዃኑ ተሓቢሩ።

 

ማዕከን ሓበሬታ ቢልድ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ መብዛሕትኦም ካብቶም 19 ሰባት ብብከላ ትኪ ክጥቅዑ እንከለዉ 5 ካብኣቶም ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ጠንቂ’ቲ ባርዕ ሓዊ ገና ኣብ ምጽራይ’ኳ እንተሎ፣ ፖሊስ ከተማ ካስል ኣብ ዝሃቦ ኣፈናዊ ገምጋም፣ ሓደ ኤርትራዊ ምስ ካልኣዩ ሶማላዊ ኣብ ዝቕመጡላ ክፍሊ ዝተላዕለ ምዃኑ’ዩ ዘመልክት።

ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ስደተኛታት ክቱር ጽልኢ ዘለዎም ሕሉፋት የማናውያን ተኸታታሊ መጥቃዕታት ከካዪዱ ጸኒሖም’ዮም። ኣብ ዓመተ 2016 ጥራይ ልዕሊ ሚእቲ መጥቃዕታት ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ከምዝተኻየደ ጸብጻባት’ታ ሃገር የመልክቱ።

እንተኾነ ናይዚ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዝተላዕለ ባርዕ ሓዊ፣ ኢድ ናይ’ዞም ኣብ ስደተኛታት ክቱር ጽልኢ ዘለዎም ጀርመናውያን ከምዘይብሉ ፖሊስ ከተማ ካስል ኣፍሊጡ’ሎ።

ካብ ሃገራት ኤውሮጳ ጀርመን ዝበዝሐ ቁጽሪ ስደተኛታት ዝተቐበለት ሃገር እያ። እንተኾነ ሕሉፍ የማናዊ መርገጺ ዘለዎም ፖለቲካውያን ውድባት’ታ ሃገር ንጉዳይ ስደተኛታት ከም ቀንዲ መሳርሒ ብምጥቃም ኣብ ደገፍቶም ጽልኢ ክዘርኡ ምጽንሖም ተንተንቲ ፖለቲካ የረድኡ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0