ኣብ ዶብ የመንን ስዑዲ ዓረብ ሸውዓተ ወትሃደራት ስዑዲ ተቐቲሎም

ኣብ ዶብ የመንን ስዑዲ ዓረብ ሸውዓተ ወትሃደራት ስዑዲ ተቐቲሎም

Radio Erena: 01 August 2016

Sau Ar

ኣብ ኩዌት ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ሰላም የመን፣ ሓያሎ ምትዕንቓፍ ኣጋጢምዎ ኣብ ዘለዉ እዋን፣ ኣብ ዶብ እታ ሃገር ዓስኪሮም ዝነበሩ ሸውዓተ ወትሃደራት ስዑዲ ዓረብ ከምዝተቐትሉ ንመግለጺ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ብምጥቃስ ሓያሎ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ኣብ መግለጺኡ፣ ዕጡቓት ተቓወምቲ የመን፣ ዶብ ስዑዲ ብምስጋር ኣብ ዘካየድዎ መጥቃዕቲ ሸውዓታ ካብ ሓለዋ ዶባት ስዑዲ ከምዝተቐትሉ ኣረጋጊጹ።

እቲ መግለጺ ብተወሳኺ፣ እቶም ዕጡቓት ብዝተፈነወሎም ጸረ መጥቃዕቲ ከምዝተመልሱ’ውን ጠቒሱ።

 

እንተኾነ እዚ ብስዑዲ ዝተዋህበ መግለጺ ብናጻ ኣካል ክረጋገጽ ኣይከኣለን።

ብስዑዲ ዓረብን ሃገራት ወሽመጥን ዝድግፈ መንግስቲ የመን፣ ምስ ተቓወምቲ ሑቲን ካልኦት ተቓወምቲ እታ ሃገርን ኣብ ኩዌት ዘተ ሰለም ኣብ ምክያድ ከምዝርከቡ ዝፍለጥ’ዩ።

እቲ ዘተ ሰላም ዝሓለፈ ሰሙን ክዛዘም እኳ እንተነበሮ ሓያሎ ምትዕንቓፍ ስለዝገጠሞ ንተወሳኺ ሓደ ሰሙን ክቕጽል ዕድል ተዋሂብዎ ኣሎ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0