ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ግጭት ከምዝተኻየደ ተሓቢሩ

ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ግጭት ከምዝተኻየደ ተሓቢሩ

Radio Erena : 14 October 2015

ethio sudan borde

ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ናይ ተዅሲ ምልውዋጥ ከምዝተኻየደ ይግለጽ ኣሎ።

እቲ ግጭት ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳንን ሸፋቱ ዕጡቓት ኢትዮጵያን ኣብ ከባቢ ገዳርፍ ዝተኻየደ ምዃኑ’ውን ማዕከን ዜና ሱዳን ትሪቡን ጠቒሱ።

ይኹን’ምበር እቶም ምስ ሰራዊት ሱዳን ዝተጋጨዉ ዕጡቃት ኢትዮጵያ፣ መንነቶም ብጽኑር ክፍለጥ ኣይከኣለን።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም’ውን ተመሳሳሊ ግጭት ከምዝተኻየደን ብውሕዱ 8 ካብ ወገን ኢትዮጵያ ከምዝተቐትሉን’ውን ጸብጻብ ሱዳን ትሪቡን የመልክት።

 

መንግስታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ብዛዕባ’ዚ ኣብ ዶብ ክልትኤን ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ግጭት ኣመልኪቶም ዝኾነ መብርሂ ኣይሃቡን።

ነበርቲ እቲ ንኢትዮጵያን ሱዳንን ዘዋስን ከባቢታት፣ ብዋንነት ናይ ሕርሻ መሬት ብቀጻሊ ከምዝሰሓሓቡ ይንገር።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0