ኣብ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ዕጡቓት ሰለስተ ሰባት ከምዝቐተሉ ተገሊጹ

Radio Erena: 25 May 2022

ንኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ዘዋስን ከባቢታት ጋላባት፣ መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ሰለስተ ሱዳናውያን ከምዝተቀትሉ ተሓቢሩ።

ራድዮ ዳባንጋ ምስ ነበርቲ እቲ ከባቢ ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መጠይቕ፣ እቶም ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ዕጡቓት ኢትዮጵያንውን ሸፋቱ ምዃኖም ኣሚታ።

ድሕሪ’ቲ መጥቃዕቲ፣ ንክልቲኤን ሃገራት ዘራኽበ መስመር ገዳርፍ – መተማ፣ ንምንቅስቓስ ሰብን ንግዲን ዕጹው ኮይኑ ከምዘሎ እታ ራድዮ ብተወሳኺ ገሊጻ።

ናይ ሕርሻ ወቕቲ ኣብ ዝዳለወሉ ዘሎ እዋን፣ ኢትዮጵያውያን ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ሱዳናውያን ሓረስቶት መጥቃዕታቶም ከዛይዱ ከምዝኽእሉ ነበርቲ እቲ ከባቢ ስግኣቶም ገሊጾም።

ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ዝተወልዐ ዶባዊ ግጭት ሕጋዊ መዕለቢ ከይረኸበ፣ ንካልኣይ ዓመቱ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ ግዜ፣ ኢትዮጵያ ብሱዳን ተወሪሩ ንዝበለቶ መሬት ከተምልስ ምዃና’ያ ተጠንቅቕ።

ሱዳን ብወገና፣ ምስ ምውላዕ ኵናት ትግራይ ተዛሚዱ፣ ኣብ ዘካየደቶ ወትሃደራዊ ወፍሪ ንዝሓዘቶ ሰፊሕ ክፋል ዞባ ኣልፋሺጋ፣ ን26 ዓመታት ብኢትዮጵያ ተወሪሩ ዝጸንሐ፣ ኣካል ሉኣላዊ ግዝኣታ ምዃኑ ደጋጊማ ተነጽር።

ኣብ ኵናት ትግራይ ተሸሚሙ ዝርከብ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብዘይካ’ቲ ገጢምዎ ዘሎ ዘቤታዊ ብድሆታት፣ ምስ ጎረቤት ሱዳን ዝቕጽል ዘሎ ምፍሕፋሕ ጸቕጢ ከምዝገበረሉ ዲፕሎማሰኛታት የረድኡ።

ብሱዳን ተወሪሩ ዝብሎ ዘሎ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬት፣ ይንዋሕ ይሕጸ ከምልሶ ምዃኑ ዝገለጸ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስትየር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ደመቐ መኮነነ፣ ምስታ ብዶብን ኣጠቓቕማ ናይልን ኣብ ምስሕሓብ ዝርከቡ ሱዳን፣ ‘ሕማቕ ዝምድና’ ከምዘለዎም ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ተኣሚኑ’ዩ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0