ኣብ ዶብ ሊብያን ቻድን ኣስታት 70 ኤርትራውያን ተጨውዮም

ኣብ ዶብ ሊብያን ቻድን ኣስታት 70 ኤርትራውያን ተጨውዮም

Radio Erena: 28 July, 2018

chad eri

ካብ ሱዳን ተበጊሶም ናብ ሊብያ ንምእታው ዝፈተኑ ኣብ ክልተ ፒክ ዝዓይነተን መካይን ዝመልኡ ኤርትራውያን፣ ኣብ ዶብ ሊብያ ተጨውዮም ናብ ቻድ ተወሲዶም ከምዘለዉ፣ ካብቲ ኩነታት ዘምለጡ ኤርትራውያን ንሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ነቶም ኣስታት 70 ዝኾኑ ኤርትራውያን ጨዮሞም ዘለዉ፣ ካብ ዓሌት ቲቡ ዝኾኑ ጸለምቲ ሊብያውያን ዕጡቃት፣ ንነፍሲ ወከፍ ሒዞም ዘለዉ ሰብ ንኽለቕዎ ኣስታት 1200 ዶላር ክኸፍል የገድድዎ ምህላዎም’ውን ገሊጾም።

 

ሓንቲ ኣደ ምስ ሰለስተ ደቓ’ውን ተጨውያ ከምዘላ ተሓቢሩ ኣሎ።

ብዛዕባ’ዚ ኣብ ዶብ ሊብያን ቻድ ኣጋጢሙ ዘሎ ጭውያ ኤርትራውያን ብዝምልከት ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከቡ ቴሌፎናት ዘለዎም ሰባት ብምውድዋል ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ዘካየድናዮ ጻዕሪ’ውን ኣይተዓወተን።

ዝያዳ ሓበሬታ ዘለዎ ሰብ እንተለዉ’ውን መልእኽቲ ከመሓላልፍ ንምሕጸን።

ኣብ ሊብያ፣ ብዘይካ’ቲ ኣብ ሰሃራ ዘጋጥም ዘሎ ምጭዋይ፣ ኣብ ኣብያተ ማኣሰርቲ፣ ኣጅዳብያ፣ ኩፍራ፣ ቓርያን፣ ቤንቓዚ፣ ኩምስን ካልኦትን ኣማኢት ኤርትራውያን ተቐይዶም ብዙሕ ስቓይ የሕልፉ ከምዘለዉ ክረጋገጽ ክኢሉ ኣሎ።

ኣብ ከተማ ጥራብሎስ ዝተጎሃሃረ ግጭት’ውን እናዓረገ ስለዝመጽአ፣ ንስደተኛታት ኣስጋኢ ኮይኑ ኣሎ።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0