”ኣብ ዶባዊ ግጭት ኢትዮጵያን ሱዳንን ኢድ የብለይን” መንግስቲ ኤርትራ

Radio Erena: 28 February 2021

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዶባዊ ግጭት፣ ኤርትራ ኢድ ከምዘየእተወት ገሊጻ።
ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት የማነ ገብረኣብን ናብ ሱዳን ብምኻድ ኣብ ዘብጽሕዎ መልእኽቲ’ዩ፣ ኣብቲ ዶባዊ ግጭት ሰራዊት ኤርትራ ከምዘይተሳተፈ ዝግለጽ ዘሎ።
ማዕከናት ዜና ዓረብ ኣብ ዝህቦኦ ዘለዋ ጸብጻብ፣ እቲ ካብ ፕረዚደንት ኢሰያስ ዝተላእከ ደብዳቤ፣ ኤርትራ ንኩነታት’ቲ ዶብ ብቐረባ ትከታተሎ ከምዘላ ድሕሪ ምግላጽ፣ ኣብቲ ጉዳይ፣ መርገጺ ኤርትራ ኣብ ጎድኒ ሱዳን ከምዘሎ የመልክት።
ዝሓለፈ ሰሙን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፣ ንኢትዮጵያዊ መዘንኡ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፣ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተጸምቢሩ፣ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ኩነታት ከምዝተሳተፈ ዝገልጽ እዩ ኔሩ።
መንግስቲ ኤርትራ ብሓደ ወገን ኣብ ጎድኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምስላፍ ምስ ህወሓት ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት እንዳተሳተፈ፣ ብካልእ ወገን ከኣ ኣብ ጎድኒ ሱዳን ደው ከምዝብል ምግላጹ፣ ስክፍታ ዝፈጥር ከምዝኾነ እዮም ዲፕሎማስያዊያን ምንጭታት ዝገልጹ።
ብተወሳኺ፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰፊኑ ዘሎ ሓድሽ ወተሃደራዊ ወጥሪ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣሉታዊ ተራ ይጻወት ኣሎ ክብሉ’ዮም ፖለቲከኛታት ዝኸሱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0