ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ቀቢላታት ግጭት ተኻይዱ

ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ቀቢላታት ግጭት ተኻይዱ

Radio Erena: 17 July, 2014

ethi Vill

ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ፣ ዞባ ሸካ ኣብ መብጎ ክልተ ቀቢላታት ብዝተወልዐ ግጭት ሓይሎ ሰባት ከምዝተቐትሉን 130 ኣባይቲ ድማ ከምዝተቓጸለን ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ሓቢራ።

ቅድሚ 12 ዓመት ዝተጓሃሃር ግጭት ናይዞም ቀቢላታት ብምትእትታው ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር እኳ እንተሃድአ፣ ዳግም ምውልዑ ድማ ተደጕሉ ከምዝጸንሀ ዘረድእይ’ዩ ክትብል እታ ጋዜጣ ኣብ ጸብጻባ ኣስፊራ ኣላ።

እቲ መንጎ ቀቢላታት ሸካን ሸኮን ዳግም ዝተወልዐ ግጭት ጠንቑ ብጽኑር ክፍለጥ እኳ እንተዘይክኣለ፣ ብሰንኪ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ባህላዎ ዕደና ክኸውን ከምዝኽእል’ዩ ዝግለጽ።

 

እቲ 130 ኣባይቲ ዝሃሞኸን ህይወት ሓይሎ ሰባት ዘጥፍአን ግጭት ከይብእስ ዝሰግኡ ነበርቲ እቲ ዞባ ናብ ጫካታት ሃዲሞም ከምዘለዉ’ውን ተሓቢሩ።

ነቲ ግጭት ንምህዳእ ካብ ዝተዋፈሩ ሓይልታት ጸጥታን ፖሊስን’ውን ሓደ ከምዝተቐትለ ነበርቲ እቲ ከባቢ ኣመልኪቶም።

መንግስቲ ነቲ ግጭት ንምህዳእ ኣባላት ሰራዊትን ፈደራላዊ ፖሊስን ኣዋፊሩ ይርከብ።

እቲ ግጭት ዝተኻየደሉ ኣብ ደቡባዊ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ጋምቤላ ዝርከብ ዞባ ሸካ፣ ብሰንኪ ዘለዎ ራሕቒ፣ በቲ ግጭት ኣብ ሰብን ንብረትን ዝወረደ ዕንወት ብልክዕ ንምፍላጡ ኣጸጊሙ ከምዘሎ’ውን ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ኣብ ናይ ትማሊ ሕታማ ኣስፊራ ኣላ።

====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0